ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ክልላዊ መራሕቲ ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጽሑ ብኣፍልጦ ፈደራላዊ መንግስቲ’ዩ” ቀ/ሚ ኢትዮጵያ


ክልላዊ መራሕቲ ጎረቤት ሃገር ሶማል ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ብፍቓድ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማል እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣፍሊጦም።ንሶም ነዚ ዝገለጹ ኣብዚ ሰሙን ምስ ፕረዝደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ'ዮ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምብጻሕ ብዝተገብረሎም ዕድመ ዝኸዱ መራሕቲ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ብዝምልከት ካብ ቴሌቪዥን ሶማል ንዝቐረበሎም ሕቶ ናብ ኢትዮጵያ ዝዕደሙ ብፍቓድ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማል እምበር ምስኦም ብቀጥታ ብዝግበር ርክብ ኣይኮነን ኢሎም።ብተወሳኺ ኣብ ጎረቤት ሶማል ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሓደ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

“ፖሊስን ርክብን ወፃኢ ጉዳያት ሶማል ብዝምልከት ሓላፍነት ዘለዎ እንኮ ኣካል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል እዩ።ካብ ፍቓድን ድልየትን ፌደራል መንግስቲ ሶማል ወፃኢ ኢትዮጵያ ትኹን ካልእ ሃገር ኣብ ልኡላውነት ሶማል ጣልቃ ክትኣትው የብላን።ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንፁር ዝኾነ መርገፂ እዩ ዘለና።ንባዕላትና ፌደራላዊ መንግስቲ ኢና፤ኣነ ባዕለይ ብዘይካ ናተይ ፍቓድ ዝኾነ ይኹን ክልላዊ መንግስቲ ምስ ካልእ ሃገር ብቐጥታ ክራኸብ ኣፈቅድን እየ።እዚ መትከል እዚ ንሶማል እውን ዝምልከት እዩ።”

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ወሲኾም “ዕላማና መንግስትን ህዝብን ሶማል ሰላም ክረኽቡን ክርጋግኡን፣ኣንፃር ድኽነት ዘሚቶም ብልፅግና ንኸረጋግፁ ምሕጋዝ እዩ” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG