ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነስርዓት ቀብሪ ብፁእ ኣቡነ ጳውሎስ ዝቕፅል ሓሙስ ክፍፀም እዩ


ኣብቲ ስነስርዓት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመፁ ፓትሪያርካትን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ክርከቡ እዮም

ንኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ 1984 ዓ/ም ጀሚሮም ን20 ዓመታት ብፓትሪያርክነት ዝመርሑ ናይ ወብፁእ ኣቡነ ጳውሎስ ስነስርዓት ቀብሪ ዝቕፅል ሓሙስ ከምዝፍፀም ቅዱስ ሲኖዶስ ኣፍሊጡ።ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ ምስዓረፉ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ምግለፂ ክውሃብ እዚ ናይ ሎማዕንቲ ዓርቢ ንፈለማ ግዜ እዩ።ነቲ መገልፂ ዝሃቡ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖደስ ብፁእ ኣቡነ ህዝቄል ስነስርዓት ቀብሪ እቶም ፓትሪያሪክ ዝቕፅል ሓሙስ ከምዝፍፀም ዕላዊ ገይሮም ኣለው።

እቲ ቀብሪ ኣብ መንበረ ፀባኦት ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ንኽፍፀም ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ምውሳኑ’ውን ሓቢሮም።

ክሳብ ሽዑ’ውን ኢሎም ብፁእ ኣቡነ ህዝቄል ምእመናን ኣብ ኣዳራሽ ስብከተ ወንጌል ጠቕላሊ ቤት ፅሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ ተረኺቦም ሓዘኖም ክገልፁ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

መንበረ ፀባኦት ካቴድራል ቅድስት ስላሴ እቶም ፓትሪያርክ ገና ካብ ቕሽነቶም ጀሚሮም ዘገልገልሉን ዝተምሃርሉን ከምዝኾነ ኣቡነ ህዝቄል ኣዘኻኺሮም።ካብ ማእሰርቲ ምስተፈትሑ ናይ መወዳእታ ኽብሪ ዝረኸብሉ’ውን እዩ ኢሎም።

ተተካኢ ፓትሪያርክ ክሳብ ዝምረፅ ዓቃቢ መንበረ ፓትሪያሪክ ዝምረፅ ድሕሪ ስነስርዓት ቀብሪ እዩ ኢሎም እቶም ዋና ፀሓፊ።

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ መራሕቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዘሎ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ይካየዱ ዝነበሩ ዝርርባት’ውን ክቕፅሉ እዮም ኢሎም።

ካብ 1984 ዓ/ም ጀሚሩ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብፓትሪያርክነት ዝመርሑ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ ብቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ለይቲ ሰዓት 11 እዮም ዓሪፎም።ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመፁ ፓትሪያርካት ከምኡ’ውን ዝለዓሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ከምዝርከቡ ኣብቲ ጋዜጣዊ መገልፂ ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG