ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ጳውሎስ፡ ዓሪፎም


ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ንዝሓልፈ 20 ዓመታት ዝመርሑ ኣቡነ ጳውሎስ፡ ዝሓለፈ ለይቲ ኣብ 76 ዓመቶም ዓሪፎም

ፓትርያሪክ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ፣ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወጨጌ ዘመንበረ ተኽለሃይማኖት ብጹእ ወቅዱስ ዶክተር ኣቡነ ጳውሎስ ሎማዓንቲ ነሓሰ 10 ወጋሕታ ሰዓት 11 ካብዛ ዓለም ተፈልዮም፡፡

ቤት ጽሕፈት ፓትርያሪክ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቡነ ጳውሎስ ማዓዝን ኣበይን ከምዝፍፀም ከፍልጥ እየ ኢሉ’ሎ፡፡

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ ብ1928 ኣብ ዓድዋ እንዳ ኣባ ገሪማ ተወሊዶም፡፡ ካብ ድይቁና ክሳብ ማእረገ ምንኩስና ኣብ ገዳም ኣቡነ ገሪማ ተማሂሮም፡፡

ብድሕሪኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኮለጅ ቅድስተ ስላሰ ትምህርቲ ስነ መለኮት ኣማዕቢሎም፡፡ ኣብ ዘበነ ስርዓት ደርጊ ንዝተወሰኑ ዓማውቲ ታኣሲሮም እዮም፡፡

ቀፂሎም ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ኣብ ዮል ዩኒቨርሲቲ ብባችለር ኦፍ ዲቪኒቲ ማለት እውን ብልዑል መለኮታዊ ትምህርቲ ተመሪቖም፡፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፕሪንስተን ዩኒቨርሲቲ ብፍልስፍና ዶክትሬት ዘጽነዑ ዓብዪ ኢትዮጵያዊ ምሁር ምንባሮም ታሪኽ ህይወቶም ይገልፅ፡፡

ኣቡነ ጳውሎስ ፕሬዚደንት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ዓለም፣ ናይ ክብሪ መራሒ ሃይማኖት ንሰላምን ኣምባሳደር ሰላምን ምንባሮም እውን ይፍለጥ፡፡

ንተወሳኺ ጸብጻብ ኣብ ናይ ሎሚ ዜናና ተኸታተሉ፡

XS
SM
MD
LG