ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኤርትራ ዝርከቡ አርባዕተ አብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተዋፈሩ ምንቅስቃሳት ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ምንቅስቃስ ከምዝመስረቱ ተገሊጹ


አብ ኤርትራ ዝርከቡ አርባዕተ አብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተዋፈሩ ምንቅስቃሳት ኢትዮጵያ ቅድሚ ትማሊ ሶሉስ 2 ጳጉመ 2007 ዓ. ም. ብኣቆጻጽራ ግእዝ ናይ ሓባር ምንቅስቃስ ከምዝመስረቱ ተገሊጹ።

ሓባራዊ ምንቅስቃስ ውደባት ዓፋር፥ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ፥ ምንቅስቃስ ህዝቢ አምሓራ፥ ምንቅስቃስ ሓርበኛታትን ግንቦት 7 ዝተባህሉ አርባዕተ ምንቅስቃሳት ብሓባር ዝመስረትዎ ሓድሸ “ሓባራዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ንምድሓን ሃገር” ከምዝሰየምዎ ዝተፈላለዩ ዓምዲ ኢንተርነታት ሓቢሮም።

እዚ “ሓባራዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ንምድሓን ሃገር” ዝተሰየመ ምንቅስቃስ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ቀንዲ አቦ- መንበር አቶ ሞላ አስገዶም ምክትል አቦ-መንበር ኮይኖም ከምተመርጹን አብዚ እዋን ካብ አርባዕቲ'ኦም ውድባት ዝተዋጽኡ ሃገር አድሕን ሰራዊት ከምዝመስረተን ተገሊጹ’ ሎ።

ሬድዮ ድምጺ አሜሪካ እቶም መራሕቲ'ቲ ውድብ አብ ዝርከብዎ ከባቢ ስልኪ ደዊሉ እቲ ዜና ትክክል ምኳኑ ካብ አቦ መንበር’ ቲ ምንቅስቃስ ካብ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ አረጋጊጹ’ ሎ።

ርእይቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ’ውን ፈቲኑ ስልክታት አማካሪ ቀዳማይ ሚንስትር ኮኑ ወሃቢ ቃል ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይጽውዕ ዘልዕሎ ግን የለን።

XS
SM
MD
LG