ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋሚ ፓርቲ ዓረና ትግራይ ኣኼባ ከየካይድ ተኸልኪለ ክብል ከሲሱ


ተቓዋሚ ፓርቲ ዓረና ትግራይ ዝሓለፈ ሰንበት 9 ታሕሳስ 2009 ዓ/ም ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ከተማ ማይጨው ኣኼባ ከየካይድ ብሓይልታት ፀጥታ ተኸልኪለ ክብል ከሲሱ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኣቶ ዓምዶም ገብረስላሴ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃቦ መግለፂ ዓረና ትግራይ ራብዓይ ውድባዊ ኣኼባ ንምክያድ ይገብሮ ናይ ዘሎ ቅድመ ኩነት ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ዞባ ምስ ዝርከቡ ኣባላቱ ከተማ ማይጨው ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈቱ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞ ገሊፁ’ሎ።

ውድቦም ኣኼባ ንምክያድ ንናይቲ ክልል ኮሚሽን ፖሊስን ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ኣቐዲሙ ከምዝፈልጠ ብምሕባር በዚ መሰረት ኣብ ከተማ ማይጨው ንምእካብ ኣብዝፈተንሉ እዋን ሓይልታት ፀጥታ ከተማ ማይጨው እቲ ኣኼባ ከይካይድ ምኽልካሎምን ይኹን እምበር ናብ ፖሊስ ክልልን እቲ ዞባን ጠሪዖም ክካይድ ተፈቒዱ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን እቲ ኣኼባ ምስተኻየደ ሓደ ፖሊስ፣ሰለስተ ኣባላት ሚሊሺያን ሓደ ካድረን መፂኦም ነቲ ኣኼባ በቲኖምዎ ይብሉ ኣቶ ዓምዶም።

‘መሊስና ናብ ፖሊስ ክልልን ዞባን እንተጠራዕና እውን ናይ ፌደራል ኮማንድ ፖስት ስለዝኸልከሎ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ፤እቲ ኣኼባ በትኑዎ ኢሎምና’ ክብል ወሲኹ ገሊፁ’ሎ።

ካብ ዝምልከቶም መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣየሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:24 0:00

XS
SM
MD
LG