ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋሚ ዓረና ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ፀዊዑ


ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሰ ናይ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ ብሄር ተኮር ኢሉ ንዝፀውዖ መጥቓዕትታት ንምቅዋም ኣብ ከተማ መቐለ ንፅባሕ ቀዳም ሰላማዊ ሰልፊ ንምካይድ ፀዊዑ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተወለድቲ ግይራይ መጥቓዕቲ ተፈፂሞዎም፤ተቐቲሎም፣ተኣሲሮም፣ንብረቶም ዓንዩን እዩ፣ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄረሰባት እውን ምምዝባልን ሞትን ኣጋጢሙ እዩ ነዚ ብምቅዋም ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ህዝቢ ድምፅና ክነስምዕ ኢና ይብሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኣቶ ዓምደቦም ገብረስላሴ።

ብዛዕባ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊን እቲ ውድብ ዘቕረቦም ሓድ ሓደ ቅሬታትን ካብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ መብርሂ ንምርካብ ቪኦኤ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ምሉእ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:49 0:00

XS
SM
MD
LG