ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈፃሚ ስርሕ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ናብ ናይ ግንባር ኣወዳድባ ሓፍ ንኽብል ወሲኑ


ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ፖለቲካዊ ቓልሲ’ውን ዝፈጥሮ ዓቕሚ ዓብይ እዩ ተባሂሉ

ፈፃሚ ስርሕ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ሓነትት መድረኽ ካብ ዝነበሮ ናይ ጥምረት ኣወዳድባ ናብ ናይ ግንባር ኣወዳድባ ልዕል ንኽብል ምውሳኑ ኣፍሊጡ።ናብ ግንባር ዝግበር ስግግር ንሓባራዊ ምንቅስቓስ ኣዚዩ ዝጠቅም እዩ’ውን ተባሂሉ።

መድረኽ ሎማዕንቲ ኣብዝሃቦ መገልፂ ሽዱሽቲኦም ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት ኣብዝሓለፈ ወርሒ ሰኒ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ብዘመሓላለፍዎ ውሳነ መሰረት ናብ ግንባር ዝግበር ስግግር ኣጠናኺሩ ንኽቕፅለሉ ነቲ ፈፃሚ ስራሕ መምርሒ ሂቡዎ ከምዝነበረ የዘኻኽር።

በዚ መሰረት ኣብ መንጎ ኣባል ውድባት ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ምኽክር ክግበረሉ ከምዝፀንሐ እቲ መግለፂ የረድእ።

ኣብ ትሽዓተ ቀንዲ ነጥብታትን ኣብ ካልኦት ዝርዝር ጉዳያትን ኣባል ውድባት ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለው።ካብ መንጎ እዚኦም ማእኸላይ ፖለቲካዊ ፕሮግራሞም ናይቲ ግንባር ፕሮግራም ኮይኑ ንኸገልግል፡ናይቲ ግንባር ውድባዊ መሓውር ንኣሰራርሓን ኣፈፃፅማን ከምዝጥዕም ኮይኑ ምምሕያሽ ምግባር፡ናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ኣኼባ ግዜን ናይቲ ግንባር ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣካላት ናይ ኣገልግሎት ዘመንን ምውሳን ዝብሉ ስምምዓት ምዃኖም እቲ መግለፂ ይዝርዝር።

ኣብዚኦምን ካልኦት ስምምዓትን ብምብፅሑ መድረኽ ካብዝነበሮ ናይ ጥምረት ኣወዳድባ ልዕል ናብ ዝበለ ናይ ግንባር ኣወዳድባ ሓፍ ንምባል ኮምቴ ፈፃሚ ስራሕ መድረኽ ወሲኑ’ሎ።እዚ ውሳነ ንናይ መድረኽ ላዕለዋይ ኣካል ንዝኾነ ጉባኤ ቀሪቡ ንኽፀድቕ ተሰማሚዕም ክብል እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣባል ኣመራርሓ መድረኽ ዝኾኑ ዶ/ር መራራ ጉዲና ብዛዕባ ዘምፅኦ ለውጢ እንትዛረቡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ካብ ሃገር ወፃኢ ብሓብር ተጠናኺሮም ንምንቅስቓስን ድጋፍ ብሓባር ንምትእኽኻብን ከምዝሕግዝ ይገልፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ፖለቲካዊ ቓልሲ’ውን ዝፈጥሮ ዓቕሚ ቀሊል ከምዘይኸውን ብምግላፅ ንዝህቢ ኢትዮጵያ ዝሐሸ መማረፂ ዘለዎ ግንባር ንምፍጣር’ውን ከዝኾነ ዶ/ር መራራ የረጋግፁ።

ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ምርጫ ተቓወምቲ ብምብትታኖም ንኽተሓባበሩ ካብ ህዝቢ ድፊኢት ይግበር ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ሽዱሽቲኦም ዝፈጥርዎ ግንባር ዓብይ ረብሓ ኣለዎ ይብሉ።ኣስዒቦም ድማ ‘’ዝሐሸ ምንቅስቓስን ዝሐሸ ምትእኽኻብን ንምግባር ይሕግዝ እዩ።ንምድጋፍ እውን ምችው እዩ።መብዛሕቲኦም ዝሓቱና ጁባና ሓደ እዩ ንመን ክንህብ።ንስኹም ግን ሽዱሽተ ዲኹም ክንደይ ኢኹም እንታይ ኢኹም ዝብሉ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንሕተት ኢና።ስለዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘሐሸ ኩነት ንምትእኽኻብ ብፍላይ ድማ ናይ ገዛኢ ፓርቲ ኸፋፊላክ ግዛእ ሸርሒ ንምስባር ዘኽእል ስትራተጂ ኢዩ ኣብ ስምምዕ ዝበፃሕናሉ።።።ኢሎም።

ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብዝተርአየ ናይ ኢትዮያ ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ምንቅስቓስ ዝተፈላለዩ ጥምረታት ተፈጢሮም ፈሪሶም እዮም።ናይመድረኽ ግንባር ካብዚኦም ብከመይ ይፍለ ዝብል ዶ/ር መራራ እንትምልሹ ካብዚ ተማሂርና ኢና፡ኮይኑ ግን ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝውሰን ናይ ኢትዮጵያ መፃኢ ፖለቲካዊ ከይዲ እዩ፡ብሓብር ነቲ ቓልሲ ንቕድሚት ክንደፍኦ ኢና ይብሉ።

XS
SM
MD
LG