ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም


ኣቶ ኣብርሃ ደስታ
ኣቶ ኣብርሃ ደስታ

ኣቦ ወንበር ዓርና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ብናይ 10,000 ብር ዋሕስ ትማሊ ሰሉስ ተፈቲሖም።ከም ሓበረታ ጠበቕኦም፡ስልኮም ብፖሊስ ብምትሓዙ ክንረኽቦም ኣይክኣልናን።

ኣቦ ወንበር ውድብ ዓረና ትግራይን ፌደራል መንግስቲ ንትግራይ ተቖፃፂዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣባል ካብኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዃን ሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝነበሩ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ድሕሪ ናይ 82 ማዕልታት ማእሰርቲ ትማሊ ሰሉስ ብዋሕ ምፍትሖም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡኮም ገሊፆም ኣለው።

ተደጋጋሚ ስልኪ ደዊልና ስልኮም ኣይተልዓለን።ካብ ናይ ሕጊ ጠበቕኦም ኣቶ ተስፍኣለም በርሀ ንምርዳእ ከምዝኽኣልናዮ ስልኮም ብፖሊስ ተታሒዙ ክሳብ እዚ ቃለ ምልልስ ነካይድ ኣይተመለሰሎምን።

ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ግዜ 21 መስከረም 2014 ዓ\ም ብጥርጣረ ከምዝኣሰሩዎምን ንህወሓት ትድግፍ ኢኻ ብዝብል ክሲ ክመላለሱ ድሕሪ ምፅናሕ ድሕሪ ኣርብዓ ማዕታት ዓቃቢ ሕጊ ዘኽስስ እንተሃሊዩዎ ክሲ ክቕርብ ተዘይኮይኑ ግን ክዓፅዎ ዓሰርተ ማዕልቲ ከምዝ ሃበን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ብዘይዝኾነ ይኹን ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ እውን ከይቐረቡ ተኣሲሮም ምፅንሖም ኣቶ ተስፍኣለም ገሊፆም።

ብዘቕረቡዎ ጥርዓን ቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ዓርቢ ብዝሃቦ ውሳነ ክሳብ ትማሊ ኣፅኒሖም ከምዝፈትሑዎ ወስኹ ገሊፁ ኣቶ ተስፍኣለም።

ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ብጥብቅና ጠጠው ዝበሉሎም ብዙሓት ሰባት ከምዝነበሩ ብምሕባር ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ‘’ዝተሓፈሱ’’ ዝበሉዎም ተጋሩ ግን ኣበይ ከምዘለው ከምዝይፍለጥን ናብ ቤት ፍርዲ እውን ከምዘየቀረቡን ሓቢሩ።

ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብዊ መሰላትን ተወለድቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ዝነብሩ ተጋሩ ብሰፊሑ ተኣሲሮምን ይእሰሩን ከምዘለው ይገልፁ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን 18 ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ በዝሒ ዝተኣሰሩ ምፍላጥ ከምዘይክኣለን መብዛሕቲኦም እሱራት ግን ናይ ትግራይ መቦቀል ዘለዎም ምዃኖም ይገልፅ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:14 0:00


XS
SM
MD
LG