ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ይረስን'ሎ


ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት፣ሰፊሕ ውድባዊ ምንቅስቃስ ይካየደሉ ዝነበረ ቆላ ተምቤን ሎሚ ድማ ኣብ ሞንጎ ገዛኢ ፓርቲን ኣባል‘ቲ ፓርቲ ዝነበሩን ምስ ኣንድነት-መድረኽ ዝተሰለፉን ኣቶ ስዬ ኣብራሃን ከቢድ ንሕንሕ ዝራኣየሉ ዓውዲ-ውድድር-መረፃ ኮይኑ‘ሎ።

ኣነ መማረፂ ሓሳብ ሒዘ‘የ መፂኤ ዘለኹ።ንሳቶም ነቲ ዘቅርቦ ዘለኹ ሓሳብ፣ ይፋዊ ናይ መኸተ ሓሳብ ከምፅኡ ኣይካኣሉን።ኣብ ክንድኡ ሒዞምዎ ዘለው ሓደ ውሽጢ ውሽጢ ብኣባላት ኣቢሎም ዝሰድዎ ነውራም ዝኾነ ናይ መፀለምታ ስራሕ‘ዩ፣እቲ ካልኣይ ንህዝቢ ምፍርራሕ‘ዩ ኢሎም ኣቶ ስየ።

ኣብ እዋን ደርጊ ዝተፈፀመ ገበን ቀይሕ ራዕዲ ተዝንቱን ብኣቶ ሃይለ ገሪማ ዝተሰርሐትን ሰነዳዊት-ፊልም ዝሓዘቶም ምስልታት ግፍዒ ንህዝቢ እናተራኣየ፣ምስ‘ዞም ነዚ ግብሪ‘ዚ ዝፈፀሙ ሰባት‘ዩ ስየ ኣብራሃ ዓሪኹ ዘሎ እናተባሃለ ወፍሪ ፀለመ ይካየደለይ‘ሎ ኢሎም።ከምኡውን ኣብ‘ቲ ሕሉፍ መረፃ ብኣባላት ቅንጅት ዝተጠቅሰ ዘረባ እናተጠቀሙ ሕማቅ ወፍሪ ብገዛኢ ፓርቲ ይካየደለይ‘ሎ ኢሎም ኣቶ ስየ ኣብራሃ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ወሃቢ-ቃል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጎበዛይ ወ/ኣረጋይ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ኣብ መንግስታዊ ሚድያታት እቲ ዝተባሃለ ፊልም ተራእዩ እንተኾይኑ ርግፀኛ ኣይኮንኩን፣ኣነ‘ውን ኣይራኣኹን ኢሎም።

እታ ፊልም ናብ ህዝቢ ንከይትቀርብ ኣይተኣገደትን፣እቲ ጉዳይ ስለምንታይ ከምዝተላዕለ ኣይተረደአንን፣ተወዳዳራይ ፓርቲ ነቲ ፊልም ኣቅሪቡ እንተኾይኑ ድማ፣ፍፃመታት ስርዓት ደርፍ ንከይዝንቶ ንከይላዓል ዝኽልክል ሕጊ መረፃ ዘሎ ኣይመስለንን ኢሎም።ኣስዒቦም፣ብዛዕባ ደርጊን ኣብ‘ዚ ቀረባ ድማ ቅንጅት ብዛዕባ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዘካየድዎ ወፍሪ ቅር ዝብሎ ሰብ ኣሎ እንተኾይኑ፣መፍትሒኡ ምስኣቶም ዘይምሕዋስ፣ምስኣቶም ዘይምዕራኽ‘ዩ እቲ ትኽኽል ዝመስለኒ ኢሎም።

ብሕልፊ ኣብ‘ቲ ሕሉፍ ምርጫ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝተገብረ ወፍሪታት፣
ትኽኽል ከምዘይነበረ፣እቲ ንስልጣን ይወዳደር ዘሎ ህወሓት፣ኣልዒሉ እንተተዛረበ፣ዘይሕጋዊ ኣይኮነን ይብሉ ወሃቢ-ቃል ምምሕዳር ክልል ትግራይ።

ንሙሉእ ቃለ-ምልልስ ክልቲኡ ወገን ኣብ‘ዚ ይጠውቁ፣

XS
SM
MD
LG