ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ሙስሊማት ኣብ ቨርጂኒያ ህዝብዊ ኣኼባ ኣካይዶም


‘’ድምፅና ይሰማዕ’’ብዝብል ካብ ቤት ትምህርትን መስጊድን ኣወልያ ዝተባረሩ መምህራንን መራሕቲ ምስልምናን ከምኡ’ውን ናይ ምስልምና ቀወምቲ ኮሚቴ መንግስቲ ኣብ ምርጫ ጣልቃ ይኣቲ ኣሎ ብዝብል ዝተቓወሙ መራሕቲ፣ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ደለይቲ ለውጢ ውልቀሰባትን ዝተኣሰሩ ብዘይኣገባብ እዩ ብዝብል ዝሓለፈ ቀዳም ኣብዚ ኣብ ዋሽንገተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ሙስሊማት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣብ ኣርሊንግተን ቨርጂንያ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ሙስሊማት ንፀሎት፣ንምይይጥን ገንዘብ ንምትእኽኻብን ዝሓለፈ ቀዳም ድሕሪ ሰዓት እዮም ተራኺቦም።

ፕሬዝዳንት ትካል ፈረስት ሂጂራ ነጅብ መሓመድ ሎሚ ተኣኪብናሉ ዘለና ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ቓልሲ ዘለና ናእዳን ደገፍን ንምግላፅን ኣብ ጎኖምን ኮይንና ድጋፍና እናሃብና ኣጆኹም ንምባል እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተኣሰሩ መራሕቲ ምስልምናን ንካልኦት ናይቲ ምንቅስቓስ መራሕትን ደገፍ ንምሃብ፣ንዝተጎድኡ ስድራ ድማ ሓገዝ ንምሃብን ኣብዝተኻየደ ምትእኽኻብ ገንዘብ 70 ሽሕ ዶላር ወይ’ውን 1.2 ሚዮን ብር ምትእኽኻቡ እቶም ኣተሓባበርቲ ገሊፆም።
XS
SM
MD
LG