ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ሙስሊምን ፖሊስን ግጭት ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ


ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተኣሰሩን ሽዱሽተ ፖሊሳት ሓዊሱ 10 ምቑሳሎምን መንግስቲ ገሊፁ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ፖሊስን ኣመንቲ ምስልምናን ግጭት ተፈጢሩ ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ብምጥቃም ኣብ መስጊድ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ከምዝበተነን፡ንብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ከምዝኣሰረን ተገሊፁ።

ዝሓለፈ ናብ ቀዳም ኣብ ዘፅብሕ ለይቲ ኣብ መንጎ ኣብ ቤት ትምህርትን መስጊድን ኣወልያ ዝተኣከቡ ማሕበረሰብ ሙስሊምን ፖሊስን ብዝተፈጠረ ግጭት ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተኣሰሩን ከምዝቖሰሉን ተገሊፁ።

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ናይ ሙስሊም ማሕበረሰብ ሽግር ንምፍታሕ ናይ ዝተመስረተ ኮሚቴ ኣባል ዝኾኑ ኣቶ ካሚል ሸምሱ ከምዚ ይብሉ። ’’ሰባት ኣብ መስጊድ ተኣኻኺቦም እናሃለው ፖሊሳት ብሓይሊ በሪ ሰይሮም ምስኣተው ንመብራህቲ ኣጥፊኦም ኣብ ውሽጢ እቲ መስጊድ ዝነበሩ ኣመንቲ ሽማገልታት፡ህፃን፡ሰብኣይ፡ሰበይቲ ከይፈለዩ ኣደቂሶም ንኾሎም ብበትሪ ቀጥቂጠምዎም።’’

ኣዲስ ኣበባ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ኣብእትቀራረበሉ ግዜ ዝተልዓለ ግጭት ብመሰረት እቶም ኣባል ኮሚቴ ኣብቲ እዋን ዝተኣሰሩ ሰባት ኣስታት ሓሙሽተ ምእቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ምንስቴር ደኤታ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ሽመልስ ከማል ንቡሉምበርግ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብቲ ግጭት 72 ሰባት ከምዝተኣሰሩን ሽዱሽተ ኣባልት ፖሊስ ሓዊሱ 10 ሰባት ከምዝቖሰሉን ተዛሪቦም።

ኣቶ ሽመልስ ብምውሳኽ ኣብ ቤት ትምህርትን መስጊድን ኣወልያ ነቲ ከባቢ ብምዕፃው ናይ ፖለቲካ ጭርሖ የስምዑ ዝነበሩ ሰባት ፖሊስ ብናይ መንብዒ ጋዝ ከምዝበተኖም ተዛሪቦም።

ብቕድሚ ትማሊ ቀዳምን ትማሊ ሰንበትን ኣብ ኣናዋር መስጊድ ሰደቃ ወይም ፀሎት ፀዊዖም ብዘይካ ፖሊስ ናብቲ መስጊድ ዝኣትው ምኽልካን ንገሊኦም ድማ ናብ ፖሊስ ጣቢያ ብምውሳድ ኣፅኒሖም ካብ ምስዳድ ዝዘለለ ብዝተረፈ ግን ዝተሳኽዐ ሰደቃ ምክያዶም ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ መንግስትን እስላማዊ ቤት ምኽርን ግጭት ዝነሃረ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ይኣቲ ኣሎ ብዝብል ብዝተልዓለ ቅሬታ እዩ።መራሕትና ባዕልና ክንመርፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃይማኖት ኢዱ ይስሓብ ይብሉ እቶም ኣመንቲ።

XS
SM
MD
LG