ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሰላምን ጸጥታን’ታ ሃገር መግለጺ ሂቦም


ሚንስትር ኮሚኒኬሽን ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሬ ሊንጮ
ሚንስትር ኮሚኒኬሽን ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሬ ሊንጮ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ አዋሰንቲ ወረዳታት ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ጎንጽታት ህይወት ሰብ ጠፊኡ’ዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ነገሬ ሊንጮ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ ዘሎ ኩነታት ጸጥታን ሰላምን ግን ምምሕያሽ ኣርእዩ’ሎ ኢሎም።

ዶ/ር ነገሬ ሊንጮ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኩነታት ዘልዓሉ ክኾኑ ኸለው ሓደ ካብኡ ድማ ኩነታት ጸጥታን ሰላምን እታ ሃገር እዩ።

“ በብቦታኡ ንሰምዖ ዝነበርና ምስ ሰላምን ምርግጋእን ዝተታሓሓዙ ጸገማት ሎሚ ብጽቡቅ ኩነታት ምምሕያሽ ከምዘርኣዩን ዜጋታትና ኣብ ስራሕ ልምዓት በርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለው’ዩ፡ ካብ ፈደራል ፖሊስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘርእዮ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ዝነበረ ዘይምርግጋእ ሰላም ዝፈቱ ህዝቢ ባዕሉ ቀዲሙ ብምኽልኻል፡ ነቶም ጸገም ዝወረዶም መሊሱ ንምጥያስ ዓብይ ስራሕ ተሰሪሑ’ሎ። በዚ አጋጣሚ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ጎደናታት ንዘርእይዎ ህዝባዊነት ሰላም ምፍታውን ንሓድነት ሃገር ዘለዎም ሓልዮት ነመስግኖም”ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG