ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓንቲ ናይ ኢትዮጵያ ወታደራዊት ነፋሪት ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ተሓምሺሻ

Sophia Demos sits with her daughter, Evniki Tsokanis, 4, among a sea of American flags during a memorial in Matthews, N.C., on the 13th anniversary of the Sept. 11, terrorist attacks.
Sophia Demos sits with her daughter, Evniki Tsokanis, 4, among a sea of American flags during a memorial in Matthews, N.C., on the 13th anniversary of the Sept. 11, terrorist attacks.
ዋንነታ ናይ ኢትዮጵያ ዝኾነ ወታደራዊ ነፋሪት ሞቓድሾ ኣብዝርከብ መዕረፎ ነፈርቲ ተሓምሺሻ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም።ምኽንያት እቲ ሓደጋ ኣብ ምፅራይ ይርከብ።

ኣብ ሱማሊያ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ኣሚሶም እታ ነፋሪት ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ዓብዱለ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ክትዓርፍ ከላ ብሓዊ ከምዝተባርዐት ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሱማሊያ ሪድዋን ሓጂ ዓብዲዋሊ እታ ነፋሪት ብኽፍኣት ናይ ካልኦት ዝተሓመሸሸት ምዃና ዘርኢ ምልክታ ዛጊድ የለን ኢሎም።

እቲ ሓደጋ ንምንታይ ከምዝተፈጠረ ምርመራ ክካየድ ከምዘሎን እቲ ሓደጋ ካብ ልሙድ ሓደጋ ወፃኢ ክኸውን ከምዘይኽእልን እቶም ወሃቢ ቃል ገሊፆም።

ኣሚሶም ንኽልተ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ካብቲ ባርዕ ምድሓኖምን ሕክምና ይረኽቡ ከምዘለውን ብናይ ቲዊተር መልእኽቱ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ሪኢቶ ኣይሃበትሉን።

እታ ነፋሪት ምስተሓመሸሸት ፍንጀራ ከምዝሰምዑ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።እቲ ፍንጀራ ኣፅዋር ፅዒና ምንባራ ክሕብር ዝኽእል እዩ።

እቲ ኣጋጣሚ ‘’ካብ ኣላህ ዝወረደ ዓወት’’ እዩ ኢሉዎ ኣል-ሸባብ ብናይ ቲወተር መልእኽቱ።ሓላፍነት ግን ኣይወሰደን።

መንግስቲ ምኽንያት እቲ ሓደጋን ዝበፅሐ ጉድኣትን ዝምርምር ኮምቴ ምጥያሹ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ሱማሊያ ኣፍሊጡ።
XS
SM
MD
LG