ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ፣ንውጥን ዕፃ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣይተሰማምዕሉን


ሚኒስቲራት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ናይ ትማሊ ኣኼባኦም፣ ኩለን 28 ኣባል ሃገራት ን120 ሽሕ ስደተኛታት ብስርዓተ ኮታ ንክማቀላ ከምዝወሰኑ ዝዝከር’ዩ። ሎሚ ዝተራኸቡ መራሕቲ’ቲ ሕብረት ግና፣ ንጸገም’ቶም ኣሽሓት ስደተኛታት ዝቀርብ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕቑባ ብከመይ ከምዝሕዞ ቅጥዑ ጠፊኡዎም ኣሎ።

ካብ’ተን ኣርባዕተ ነቲ ውጥን ዝተቃወማ ሃገራት ሓንቲ ስሎቫክያ፣ወላ ሓደ ስደተኛ’ውን ኣይቅበልን ኢላ’ላ። ንስርዓተ ኮታ ቀንዲ ደጋፊት ንዝኾና መራሒት ሃገረ ጀርመን ኣንጀላ መርክል ዝነቀፉ ቀ/ሚ ሃንጋርይ ቪክቶር ኦርባን ብወገኖም፣ ንመርገጺ’ተን ቻንስለር ‘ሞራላዊ ኢምፔርያሊዝም’ ክብሉ ገሊጾሞ።

ካልእ ንስርዓተ ኮታ ዝነጸገት ሮማንያ’ያ፡ ይኹን እንበር 2,400 ስደተኛታት ክቅበል’የ ትብል። ቅድም ነቲ ስርዓተ-ኮታ ዝነጸገት ፖላንድ ተወሰኽቲ 5000 ስደተኛታት ከዕቁብ’የ ኢላ’ላ።ፖላንድ ቅድሚኡ’ውን ን2000 ስደተኛታት ተቀቢላ’ያ።ቀ/ሚ ፖላንድ ዝነበሩ ብሮኒስላው ኮሞሮውስኪ ‘እቲ ፀገም ክንደይ ስደተኛታት ኢኹም ተዕቁቡ ዝብል ዘይኮነስ ከመይ ገይርኩም? ዝብል ክኸውን ኣለዎ’ ኢሎም።

ቅድሚ’ቲ ዋዕላ ብጹሑፍ መርገጺኦም ዘነጸሩ ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዶናልድ ታስክ፣ “ሓድሕድና ንነቃቀፈሉ ምኽንያታት ክህልወና ይኽእል’ዩ፣ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ግና ኣየሕግዘናን” ኢሎም ። ኣብ ክንድኡ ይብሉ ሚስተር ዶናልድ፣ “ኩላትና ተሓባቢርና ክሕግዘና ዝኽእልን ዝትግበርን ፖሊሲ ክንሕንጽጽ ይግባእ” ኢሎም።

ኣብ’ዚ ቀረባ መግለጺ ዝሃበ ሕቡራት ሃገራት፣ በብመዓልቱ 6000 ስደተኛታት ንባሕሪ ሜደትራንያን እናሰገሩ ኣብ ኣውሮጳ ይኣትው ስለዘለው፣ ንጸገም 120 ሽሕ ስደተኛታት ፍታሕ ምንዳይ፣ነቲ ቅልውላው ብሙሉእነት ኣይፈትሖን ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG