ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ዝርከቡ ስድተኛታት ኣብ ልዕሌና በደላት ይፍፀሙ ኣለው ይብሉ


UNHCR ገንዘብ ክህበኩም እሞ ካብቲ ከባቢ ልቐቑ ኢሉዎም

‘’ሕቶና ሕቶ ምንባርን ዘይምንባርን እዩ’’ስደተኛ

ኣብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ንብዙሕ ሽግራት ይሳጥሑ ከምዘለው ይግልፁ።ብፍላይ ድማ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ከባቢ ቤት ፅሕፈት ትካል ስደትኛታት ሕቡራት መንግስታት /UNHCR/ ን11 ኣዋርሕ ሰፊሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ማህረምቲ ከምዘጋጠሞምን ኣብዛ ስዓት እዚኣ ብፖሊሳት ተኸቢቦም ከምዝረከቡን ኣቶ ገብረስላሴ እንታቡ ዝተብሃለ ስደተኛ ይገልፅ።

UNHCR ገንዘብ ክህበኩም እሞ ካብቲ ከባቢ ልቐቑ ከምዝበሎምን እቲ መልሲ ከምዘይዕገቦምን እቲ ዘዘራረብናዮ ስደተኛ ሓቢሩ።

ዘለናሉ ኩነታት ኣብ ምንባርን ዘይምንባርን እዩ ዝበለ ኣቶ ገብረስላሴ ዝምልከቶም ወገናት ከበፅሕሉ ፀዊዑ።ምሉእ ትሕዝቱኡ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG