ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ሶማል 11 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብሓደጋ መኪና ሞይቶም” ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት


ካብ ኢትዮጵያ ነቒሎም ብመገዲ ሶማል ናብ የመን ክሰግሩ ዝፈተኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቦሳሶ ሶማል ብዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና፡ 11 ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 20 ድማ ከም ዝቖሰሉ ቤት ጽሕፈት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ጨንፈር ሶማል ኣመልኪቱ።

ከም ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቶም ስደተኛታት ንወሽመጥ ዓደን የመን ንምስጋር ዝፍትኑ ዝነበሩ’ዮም። እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ይጓዓዙ ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ። ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝደሓኑ ኣብ ሆስፒታል ቦሳሶ ክንክን ይግበረሎም ምህላዉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝነቐሉ ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ግዜ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ናብ የመን ምስጋር ክግበሩ ግዳይ ሞትን ምክልባትን ይዀኑ’ዮም። ዕላማ እቶም ስደተኛታት ካብ የመን ንስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ኰይኑ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ 2019 ንደሓር ጥራይ 1,100 ዜጋታት ኣብቲ ጕዕዞ ከም ዝጠፍኡ እቲ መግለጺ የመልክት።

እቲ ቍጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልከተ ቤት ጽሕፈት IOM፡ ኣብ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ናይዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 21-ሽሕ ስደተኛታት ብኣዝዩ ሓደገኛ መገዲ ንየመን ምእታዎም ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG