ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓዱሽ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቦታ ሊዝ ኣዋጅ ንሕገ መንግስቲ ዝጠሓሰ እዩ ይብሉ መራሕቲ መድረኽ


ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ኣይተሳተፈሉን።

ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንምሓዝ ዝወፀ ኣዋጅ ንሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጠሓሰን ንዜጋታት ንምቁፅፃር ዝዓለመን እዩ ክብሉ ኣባላት ኣመራርሓ መድረኽ ኣፍሊጦም።መንግስቲ ብወገኑ እቲ ኣዋጅ ዝተሓተ ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታትን ንልምዓታዊ ሰብሃብትን ዝጠቅም እዩ ክብል ይከራኸር።

ኣባላት ኣመራርሓ መድረኽ ነዚ ዘፍለጡ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት መድረኽ ብቕድሚ ትማሊ ኣብዘዳለዎ ህዝባዊ ምይይጥ እዩ።

ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይን ኣባል ኣመራርሓ መድረኽን ኣቶ ገብሩ ኣስራት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዝተመስረተሎም ሓሙሽተ መትከላት ውሽጢ እቲ ኣዋጅ ንኣርባዕቲኦም መትከላት ዝጠሓሰን ንዜጋታት ንምቁፅፃር ዝዓለመን እዩ ኢሎም።

ልኡላውነቶም ህዝቢ ዝግለፅ ብመሰረት እዚ ሕገ መንግስቲ እዚ ብዝመርፅዎም ተወከልትን ብቐጥታ ብዝገብርዎ ተሳትፎን እዩ በሉሥሞ ኣቶ ገብሩ ብምቕፃል ከምዚ ይብሉ።’’እዚ ሕጊ እዚ ክወፅእ ከሎ ግን እዞም ክልተ ነገራት ኣይተማልኡን።ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ኣይተሳተፈሉን።’'

በምሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ሕጊ፡ልማዳዊ ኣሰራርሓ ከምኡ’ውን ዝኾነ ይኹን ውሳነ ብዓል ስልጣን ወይ ናይ መንግስቲ ኣካል ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃረር እንተኾይኑ ተፈፃምነት የብሉን ከምዝብልን እዚ ሓዱሽ ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንምሓዝ ዝወፀ ኣዋጅ ግን ንልዕልነት ሕገ መንግስቲ’ውን ዝፃረር እዩ ይብሉ ኣቶ ገብሩ ኣስራት።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ኣብ ነባር ትሕዝቶ መሬት ዝሰፈረ ንብረት ብዓል ዋናነት ብዘይካ ውርሲ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ናብ ካሊእ ሰብ እንድሕር ተመሓላሊፉ እቲ ንብረት ዝተመሓላለፈሉ ሰብ ናይቲ ቦታ ወናኒ ክኸውን ዝኽእል ብመሰረት ናይ ሊዝ ሕጊ እዩ ከምዝብል ኣቶ ገብሩ ይገልፁ።

ካሊእ ኣባል ኣመራርሓ መድረኽን ምኽትል፡ኣቦመንበር ፓርቲ ሓድነትን ብሕታዊ ኣባል ፓርላማን ዝኾኑ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ብወገኖም መንግስቲ ካብ ዝሃቦ ስልጣን እናወፀ ናይ ንብረት ምፍራይ መሰል እናጠሓሰ እዩ ይብሉ።

መንግስቲ ግን መድረኽ ይኹን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ኣብዚ ኣዋጅ እዚ ንዝህቡዎም ሪኢቶታት ኣይቕበልን።ብሰበስልጣን መንግስቲ ብተደጋጋሚ ከምዝተገለፀ እቲ ኣዋጅ ዝተሓተ ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታትን ንልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ዝጠቅም ኣዋጅ እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG