ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሓ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ኩነታት ክፈልጡ ከምዘይኸአሉ ስድራቤቱ ገሊጾም


ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ
ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ኣብ ምፍጻም ዝነበረ ኣሰናዳኢን ኣሕታምን ጋዜጣ ‘ፍትህ’ን ወናኒ መጽሄት ‘ፋክት’ ተመስገን ደሳለኝ ዝሓለፉ ትሸዓተ መዓልታት ኣበይ ከምዝኣተወ ክፈልጡ ከምዘይክኣሉ ስድርኡ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ተሓላቂ ደህንነት ጋዜጠኛታት(CPJ) መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመስገን ዘለዎ ኩነታት ክገልጽ ጥራሕ ዘይኮነስ ክፈትሖ ኣለዎ ክብል ገሊፁ።

ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ናይ ሓሶት ወረ ዘርጊሕኻ ብዝብል ክሲ ተኸሲሱ ናይ ሰለስተ ዓመታት ፍርዲ ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዋይ ዝጸንሓ ኮይኑ ካብ ዝሓለፉ ትሸዓተ መዓልታት ጀሚሩ ግን ስድርኡ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እንተተመላለሱ’ዃ ኽረክብዎ ኣይኸአሉን። ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን “ተመስገን ኣበይ’ዩ ዘሎ” ብዝብል ኣርኣስቲ ሕቶ መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG