ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ደቡብ ተስጒጉና ዝብሉ ሓረስቶት ናብ ኣዲስ አባብ ምምዝባሎም ቐፂሎም ኣለዉ


እቶም 110 ስደተኛታት ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ንምዕቛብ ዝተገደዱ ቤት ክርስቲያን ሓዊሱ ዘፀግዖም ስለዝሰኣኑ ምዃኖም ይገልፁ

ኣብ ክልል ብሄር፡ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ይነብሩ ዝነበሩ መብዛሕቲኦም ተወልድቲ ኣምሓራ ዝኾኑ ሓረስቶት ዕሸላት ህፃውንቲ ዝርከብዎም ስድራ ብምሓዝ ምስዳድ ካብዝጅምሩ ማዕልታት ኣቑፂሮም ኣለው።ኣለው።ሰበስልጣን እቲ ክልል ይኹኑ ሰብስልጣን ፌደራል ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ጉዳይ ሪኢቶ ኣይሃቡን።

ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ተቓዋሚ ፓርቲ መኢኣድ ተፀቓቒጦም ዘዕቖቡ ስደተኛታት ዘለውሉ ኣፀጋሚ ኩነታትእዩ።

እቶም 110 ስደተኛታት ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ንምዕቛብ ዝተገደዱ ቤት ክርስቲያን ሓዊሱ ዘፀግዖም ስለዝሰኣኑ ምዃኖም ይገልፁ።ኣብቲ ዝተዓቖቡ ቤት ፅሕፈት ቪኦኤ ዘዘራረቦም ሓረስቶት ንብረትና ከይናደናን ከይሸጥናን ተደፊኢና ንኽንወፅእ ተገዲድና ይብሉ።

ኣቦ ሰለስተ ህፃውንቲ ዝኾኑ ሓረስታይ ነጋስ ዘነበ ካብቶ ተመዛበልቲ ሓደ እዮም።ካብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ዘምሮ ናብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ዘምርሑ ኣብ 1998 ዓ/ም ምዃኑ ይገልፁ።መሬት ብሕጋዊ መንገዲ ተወሂቡኒ እናሓረስኩን ቤተ ሰበይን እናመራሕኹን ፀኒሐ ሕዚ ግን ንብረተይ ብኣግባቡ ከይኣከብኩን ከይሸጥኩን ንኽወፅእ ተገዲደ ክብሉ እናነብዑ ይዛረቡ።

ኣብ 1997 ዓ/ም ካብ ክልል ኦሮሚያ ናብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ብምኻድ ናብርኡ መስሪቱ ይነብር ዝነበረ ገለታ ወንድሙ’ውን ኣብ ገዛእ ሃገርና ከምዚ ዓይነት በደል ክበፅሐና ኣይግባእን ይብል።ብምቕፃል ‘’ወገናትና ኣብ ወፃኢ መሰሎም ተሓሊዩሎም እናነበሩ ንሕና ግን ኣብ ውሽጢ ሃገርና መሰልና ተገፊፉ እናተሳቐይናን እናተንከላበትናን ንርከብ።’’

ናይ መመዛብሊኦም ምኽንያት እውን ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ዘይሕጋዊ ንዝበልዎም ሓረስቶት ንኽባረሩ ብዝፀሓፍዎ ደብዳቤ እዩ።ምኽትል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ መኢኣድ ኣቶ ጌታቸ ኣበበ እቶም ተፈናቐልቲ ሕጋዊ ነበርቲ እቲ ወረዳ እዮም ነይሮም፡ምኽንያቱ ናይቲ ዞባ ሓለፍቲ ፈሪሞምሉ ዝተሃበ መሬት ምዃኑን ካብ 1996 ዓ/ም ግብሪ ይኸፍልሉ ከምዝነበሩን ይገልፅ።

ዛጊድ ኣብ መጀመሪያ ዙር 78፡ብቕድሚ ትማሊ 110 ትማሊ ድማ ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ሓረስቶት ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኦም ኣለው።

ሰበስልጣን ክልል ደቡብን ፌደራልን እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ዘውፅእዎ መግለፂ፡ዝሃብዎ ሪኢቶ የለን።ናብ ዋና ኣምሓዳርን ካልኦት ሰበስልጣንን እቲ ክልል መልሲ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰለጠን።ናብ ምንስቴር ጉዳያት ፈዴራል ዶ/ር ሽፈራው ተከለማሪያም ብምድዋል ዝተገበረ ፈተነ ኣብ ስራሕ እዮም ዝብል መልሲ ብምርካብ ኣይተዓወተን።

ብምስዓብ ናብ 20 ሽሕ ዝፅግዑ መራሕቲ ስድራ በዚ ኣገባብ ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ ብምግላፅ መኢኣድ ንቐዳማይ ምስቴር መለስ ዜናዊ ግልፂ ደብዳበ ፅሒፉ’ሎ።

ብኻሊእ ዜና ቅድም ክብል ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ክልል ደቡብ ብሄርር፡ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ምምዝባል ንዝርከቡ ዜጋታት መንግስቲ መሰሎም ንኽሕልወሎም ፀዊዑ።ዝተፈጠረ ጌጋ ንኽእረም እውን ሓቲቱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG