ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ ረስኒ ሃገሮም እግሪ እግሮም ስዒቡ ከምዝፀልዎም ኢትዮጵያዊያን ይገልፁ


በዝሒ ማሕበርሰብ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኣሜሪካ ካብ 80ታታ ዓ/ም ጀሚሩ ብናህሪ ይዓቢ ኣሎ። ኣብ ሰሜን ምዕራብ ክፍለ ግዝኣት ዩናይትድ ስቴትስ ትርከብ ዋሽንግተን እቲ ማሕበረሰብ ብበዝሒ ይርከበላ።ካብ ሃገሮም ሪሒቖም እንተነበሩ’ውን እዞም ስደተኛታት በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካ ይፅለዉ።
ኣብ ማእኸል ከተማ ሲያትል ዝርከብ መዘናግዒ ስፍራ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዶሚኖስ ይፃወቱ።እዚ ማእኸል ማሕበረሰብ ስደተኛታት ተጋሩ እዩ።ብዙሓት ሰባት ክዘናግዑ ኢሎም ናብዚ ይመፁ።ምቹእ ቦታ መዘናግዒ እዩ።
ማሕበረሰብ ኢትዮጵያዊያን ዋሽንግተን ሲያትል ውዑይ ምንቅስቓስ ዝገብሩን በዝሖም እውን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን እዩ።ካብ 10 ክሳብ 40 ሽሕ ይግመት።መብዛሕቲኦም ኣብ ቆፀራ ህዝቢ ስለዘይሕቆፉ ወይ’ውን መበቆሎም ስለዘይገልፁ ግና ትኽክለኛ በዝሖም ዝፈልጥ ሰብ የለን።ኣብ ሃገሮም ብዘሎ ብሄር፡ቛንቛን ሃይማኖትን ዝተኸፋፈሉ እዮም።
‘’ሓሓሊፉ እዞም ማሕበራዊ ፍልልያት ናብ ፖለቲካዊ ፍልሊያት ተቐይሮም ትዕዘብ።ምኽንያቱ ኣባል ሓደ ብሄር እንተኾይንኻ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ እምነት ወይድማ ጉጅለ ደጋፊ ኢኻ ተባሂልካ ኢኻ ትምደብ’’ ይብል ብቆልዕኡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰደደ ሸክስፒር ፍይሳ። ሸክስፒር ሎሚ ኣብ ሲያትል ዝነብር በዓል ሙያ ሕጊ እዩ።ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ዘሎ ዓሌታውን ፖለቲካውን ኣፈላላያት ናብ ኢኮኖሚያ መግለልቲ ተቐይሩ ምርኣይ ዘጉሂ እዩ ይብል።
እቲ ምክፍፋል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝድግፉ ሰባት እውን ፀልዩ እዩ።መኮነን ካሳ ሓላፊ ኣብ ሲያትል ዝርከብ ኩባንያ ማይክሮሶፍት’ዩ።ንሱ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ስዓቱ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ማሕበር ይመርሕ።ፖለቲካዊ ተሳትፉኡ ሳዕቤን ኣለዎ ይብል።ሓደ እዋን ኣብ ቤት ምግቢ እናሃለወ ንሱ ዘይፈልጦ ሰብ መኮነን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝድግፍ ስሱዕ ኢሉ ፀሪፉዎ።
ኣቶ መኮነን ‘’ሽዑ ሓሪቐ።ኣብ ውሽጢ ውዑይ ጎይቂ ኣቲና።ዳርጋ ብጉስጢት ክንዋቓዕ ቁሩብ እዩ ተሪፉና ይብል።

Recommended

XS
SM
MD
LG