ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገራ ክትመልስ ከምዝጀመረት ተገሊጹ


ኢትዮጵያ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገር ክትመልስ ከምዝጀመረት ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ መለስ አለም ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል መለስ አለም ሎሚ መዓልቲ 21 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ አዲስ አበባ ምእታዎም ገሊጾም።

“ ካብ መንጎ’ቶም ዝተመልሱ 16 ደቂ ኣንስትዮ እየን። ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ብዘይሕጋዊያን አሰርገቲ ደቂ ሰባት ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ክብሉ ገሊኦም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተአሰሩ፡ ገሊኦም አሰራሕቶም ገዲፎም ክሰግሩ ዝጸንሑ፡ ጉድኣት ዝበጽሖምን ብስነ ልቦናዊ ዝተጎድኡ ከምኡ’ውን ሕማም ዝስምዖም እዮም።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG