ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚቴ ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኦሮምያ ዝትፈጸመ ቅትለት ክምርመር ጸዊዑ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ክሊ ኦሮምያ ዝትፈጸመ ቅትለት ክምርመር ሓደ ኮሚቴ ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ጸዊዑ።

እቲ ብዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ኣባላት ባይቶ ዝጸደቐ ወሳነ፡ ነቲ “ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ ቅትለትን፡ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተፈጸመ መጠኑ ዝሓለፈ ሓይልን” ኾኒኑ`ሎ። “ንፖሊቲካዊ ተቓውሞን መሰል ጋዘጠኛታትን ንምዕፋን ዝሰርሕ ጸረ-ሽበራ ሕጊ `ውን” ይኹንን።

ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ምክትታልን ምቁጽጻርን ክትገብረሉ`ውን እቲ ንድፈ-ውሳነ ጸዊዑ`ሎ። “ ንኢትዮጵያ ዝህዋብ ወተሃደራዊ ሓገዝ`ውን ክምርመር ንጽውዕ” ይብል ብኮሚቴ ዝምድናታት ወጻኢ ጸዲቑ ናብ ምሉእ ባይቶ ሓሊፉ ዘሎ S.RES 423 ዝተሰምየ ውሳነ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:09 0:00

XS
SM
MD
LG