ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይደልዩ


ምስ ስግኣት ኮቪድ-19 ተኣሳሲሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ተዳጕኖም ይነብሩ ዘለው ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኣስካፊ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምግላፅ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝደልዩ ገሊፆም።ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ዝርከብ ‘’ጄዛን’’ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝርከቡ ሓደ ካብ ክፍሊ ኦሮምኛ ንትዕግስቲ ገሜ ኣብዝሃቦ ቃለ ምልልስ ‘’ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ምስመንግስትኹም ተዘራሪብና ኣለና’’ ኢሎም ወታደራት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምና ይብል።

ብድሕሪኡ ግን ቁሊሕ ኢሉ ዝርኣዮም ዝኾነ ይኹን ኣካል ከምዘየለ፣እኹል ምግቢ ከምዘይረኽቡ፣እቲ ቤት ማእሰርቲ ፀቢብ ብምዃኑ ብዝፍጠር ምፅቕቓጥን ሙቐትን ዝተልዓለ ንሕማም ይቃልዑ ከምዘለው ሓቢሩ።

ካብ ወሎ ባሕሪ ኣቋሪፁ የመን ንምእታው 70,000 ብር ከምዝኸፈለ ዝገለፀ መንእሰይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጂዛን ዝርከቡ እሱራት ዝርከብሉ ዘስካሕክሕ ኩነታት ዘርዚሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG