ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ዳይሬክተር ሚድያን ህዝባዊ ርክብን አቶ መሓመድ ሰይድ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ ግብረ መልሲን መርገጺ መንግስቶምን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም አለው።
ነቲ መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምላሽ ክህቡ ዝተሓቱ ኣብ ፈደራላዊ መንግስታዊ ጉዳያት ዳይሬክተር ሚድያን ህዝባዊ ርክብን አቶ መሓመድ ሰይድ ኣብ ተዳወብቲ ወረዳታት ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ህይወት፡ አካል ሰባት ከምኡ’ውን ኣብ ንብረት ጉድኣት ከምዘውረደ መንግስቲ ተኸታታሊ ሓበሬታ ንህዝቢ ክህብ ጸኒሑ ድሕሪ ምባል በመንግስቲ ተገይሩ ዝበልዎ ተወሳኺ ህዝቢ ከይፈናቀል ጥቡቕ ክትትልን ደገፍን ይገብር አሎ። ብካልእ ወገን ኸአ ንተመዛበልቲ ዘድሊ ደገፍ መግቢን ሕክምና ሓዊሱ ሓገዝ ይህብ ኣሎ።
ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ’ውን ፈደራላዊ ሓይሊ ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ ገፊሕ ቁጽጽር ይገብር’ሎ ኢሎም።
ምምሕዳር ክልቲኡ ክልላት’ውን ሃናጺ ግደ ይገብሩ’ለው ንዝቆሰሉ’ውን ሕክምና ዝረኽብሉን መንገዲ የዳልው አሎ ኢሎም።