ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደንቢደሎ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ነገር መንግስትን ተቓወምትን ተጻራሪ መርትዖ የቕርቡ


ኣብ ወለጋ ከተማ ደንቢደሎ፡ ወ/ሮ ታደሉ ተማም ትብሃል ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ውላዳ ኮፍ ክትብል ከም ዝተገደደትን ኣብ ልዕሊ`ቲ ሬሳ ኸላ ብወተሃደራት ከም ዝተወቅዓትን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ ኔራ።

“ኣብ ልዕሊ ሬሳ ወደይ ኮፍ በሊ ኢሎምኒ። ንእሽቶ ጓለይ`ውን ኔራ።ንዓኣ`ውን ከዳግምዋ ምስ በሉ፡ ኣብ እግሮም ወዲቐ ለሚነዮም። ኣብኡ ወዲቐ ኸለኹ ድማ ክወቕዑኒ ጀሚሮም”።

ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ መሓመድ ሰይድ ግን፡ ሓሶት`ዩ ከምኡ ትብሃል ሰበይቲ ኣብ`ቲ ከተማ የላን፡ ኮነ ኢልካ ንምጽላም ዝግበር`ዩ ኢሎም።”

"እዚ ፍጹም ሓሶት`ዩ። እዞም ሰባት ኣብ`ቲ ኸባቢ ዝነብሩ ኣይኮኑን።”

ተቓወምቲ ብወገኖም፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ቀበሌ 06 ቁጽሪ ገዛ 691 ከም ትነብርን፡ ህዝቢ ደንቢደሎ ኡይ ኢሉ ወጺኡ ከምዝሓዘነን ይገልጹ።

“እቶም ስድራ ኣብ ደንቢደሎ ቀበሌ 06 እዮም ዝነብሩ። ነዚ ንምሽፍፋን እንተዘይኮይኑ እዚ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ `ዩ።"

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG