ዋሽንግተን —
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሲቪላት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍፅም’ሎ ንዝብል ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ'ሎ።
ሚንስተር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ብቐዳም ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዊ መግለጺ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝመደበሮም ብቋንቋታት ኢትዮጵያ ፈነወ ዘለዎም መሓውራት ዜና መንግስቲ "ጥሩፍ" ኢሉ ኣብ ልዕሊ ዝጸውዖ አካል ንዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝተወስደ ስጉምታት ጌሮም የቅርብዎ’ለዉ፡ እዚ ድማ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም። ንሶም ኣብ መግለጺኦም ንስም እተን መሓውራት ዜና ኣይጠቐሱን፡ ብዛዕባ ኣየናይ ስጉምቲ ምዃኑ'ውን ኣይገለጹን።
ኣቶ ለገሰ ቱሉ ወሲኾም መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝተመደብን ዝተመጣጠነን’ዩ ኢሎም’ለዉ።
ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኣቶ ለገሰ ቱሉ ነዚ ይበሉ እምበር ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣብ ሰሜን ጎጃም ዞን "ዝብስት" ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ናይ ሰብ -ኣልቦ መጥቃዕቲ ልዕሊ 43 ሲቪላዊያን ሰባት ምቕታሉ ገሊጾም ኔሮም።
ቅጥዒ