ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለም-ለኸ ለገስቲ ብደርቂ ንዝተጎድኡ ሓገዝ ክህቡ ጸዊዑ


አብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ 10.2 ሚሊዮን ሰባት ረድኤት ዘድልዮም ምኳኖምን ዓለም-ለኸ ለገስቲ'ውን ሓገዝ ክህቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ።

ሓደ ሓደ ወሃብቲ ሓገዝ ብወገኖም እቲ ሓገዝ ብቅልጡፍ መታን ክመጽእ ዓለም-ለኸ ማዕኸናት ዜና ብዛዕብኡ ክጽብጽቡ የድሊ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ብሰንኪ ደርቂ ንዝመጽእ 12 ኣዋርሕ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ቁጽሪ ዝገልጽ ሰነድ ዓለም-ለኸ ለገስትን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም አካላትን አብ ዝተረኽበሉ ወግዓዊ ጌይርዎ'ሎ።

ብመሰረት'ዚ ሰነድ ቁጽሪ ደለይቲ ህጹጽ ረድኤት 10.2 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ምኳኖምን መጠን ዘድሊ ረድኤት ብገንዘብ ክግመት ከሎ ልዕሊ 25 ቢሊዮን ብር ወይ 1.4 ቢሊዮን ዶላር ምኳኑ ተገሊጹ'ሎ።

ነቲ መጸዋዕታ ረድኤት አብ ኣዲስ ኣበባ ኢሊሊ ሆቴል ብወግዒ ንዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ዘቅረቡ ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን አመራርሓ ስራሕ ስግአት ሓደጋ አቶ ምትኩ ካሳ'ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብደርቂ ንዝተጎድኡ ዓለም-ለኸ ለገስቲ ሓገዝ ክህቡ ጸዊዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:10 0:00

XS
SM
MD
LG