ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉራዊ ጉባኤ ውሕስነት መግቢ ብምስታፎም ንሰለስተ ደቂ ጋምቤል ኣሲሩ" ሁማን ራይትስ ዋች


ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ብኣህጉራዊ ትካላት ዝተዳለወ ጉባኤ ውሕስነት መግብን ኣተሓሕዛ መሬትን ተኻይዱ ኔሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብኡ ንዝተሳተፉ ሰለስተ ጋምቤላዋን ብኽሲ ሽበራ ከሲሱ ኣሲርዎም ኣሎ።

ኣብ ሁማን ራይትስ ዋች ኣተሓባባሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሊክስ ሆርስ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረቱ፡ ካብ ዜጋታቱ ክሰምዖ ዘይደሊ ስለዘስምዑ`ዩ” ኣሲርዎም ይብል። ባንኪ ዓለም፡ ኣብ ጋምቤላ፡ ሰፊሕን ግዱድን ምፍንቓል ህዝብን፡ መግሃስቲ መሰላት ደቂ ሰባትን ንምጽራይ ሓደ ኮሚቴ መዚዙ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG