ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወደብ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ደው ከምዝበለ ተገሊጹ


ኣብ መንጎ ካብ ኢትዮጵያ ዝወፅእን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትውን ኣቑሑት ዘመላልሱ ዘወርቲ መኪናን ሓይልታት ፀጥታ ጅቡቲን ብሰንኪ ዝተላዕለ ምስሕሓብ ኣገልግሎት መጎዓዚያደው ከምዝበለ ማሕበራት ሰብ ንብረት መጎዓዚያ ኢትዮጵያ ገሊፆም። እቲ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዘዋሪ መኪና ጉድኣት ከምዝወረደ ወኪል ናይቲ ማሕበር ሓቢሮም።

ኣብ ጅቡቲ ናይቲ ማሕበር ተወካሊ ንድምጺኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣብ ተርሚናል ወደብ ጅቡቲ ምፅባባት ስለዝተፈጥረ ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መኪና ቅሬታ ኣብዘቕረብሉ እዋን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ጅቡቲ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢትዮጵያዊያ ዘዋሪ መኪና ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም።

እቶም ዘወርቲ መኪና ነዚ ብምቅዋም ኣድማ ብምግባር ናብ ወፃኢ ዝልኣኽ ዝፀዓና መካይን ጠጠው ኢለን ከምዝርከባን ኣብ ልዕሊ እቲ ዘዋሪ ጉድኣት ዘውረደ ኣባል ፀጥታ ጅቡቲ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሉ ሓበሬታ ከምዝለዎምን እቶም ተወካሊ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መካይን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኣቑሕት ንምፅዓንን ንምርጋፍን ብዙሕ ገልታዕታዕ ከምዝወርዶም እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንውሽጢ ሃገር ዝውዕል ቀረብ ዝፀዓና መካይን ጠጠው ምባለን ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ሰበስልጣን ጅቡቲ ምዝርራቦም ገሊፆም ኣለው።ኣብቲ ዝርርብ ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መኪና ብወኪሎም ኣቢሎም ምስታፎም ዝገለፁ ኣብጅቡቲ ወኪል ማሕበር ወነንቲ መጎዓዚያ ኢትዮጵያ ኣቶ ሙሉቀን ብርሃኑ ዝተቛረፀ ኣገልግሎት መጎዓዚያ ስርሑ ክጅምር እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG