ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሩባ ኣባይ መርገፂ ግብፂ ምምሕያሽ ከምዝተርኣየሉ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ


‘’ነቲ ዓብይ ግድብ ክኸውን ዝተሓረየ ቦታ ብኣሜሪካዊያን ሰብ ሙያ ኣብ 1964 ኣ/ፈ ዝተፀንዐን ዝተመረፀን’ዩ’’

ኣብ ሩባ ኣባይ ይህነፅ ኣብ ዘሎ ግድብ ሚሊንየም መርገፂ ግብፂ ዝሐሸ መልክዕ እናሓዘ ይመፅእ ከምዘሎ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ናይ ወፃኢ ምንስቴርን ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለንኝ ንናይ ውሽጥን ወፃእን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

እቲ ናይ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳልኝ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብቀንድነት ዘተኮረ ኣብ ህንፀት ግድብ ኣባይ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ህንፀት ብወገን ግብፂ ዝተርኣየ ኣወንታዊ መርገፂ ዝበልዎ ኣቶ ሃይለማሪያም እንትገልፁ ’’ ኣብ ግብፂ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታትና ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ግብፂ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ መራሕቲ ግብፂ ምንስቴር ወፃኢ፣ቀዳማይ ምንስቴርን ወታደራዊ ቤት ምኽርን ዘረጋገፁልና ነገር እንተሃለወ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ዝብል እዩ።ሕዚ ኣብ ውሽጢ ግብፂ ፍሉይን ሓዱሽን ኩነታት ተፈጢሩ’ሎ።ምስ ኢትዮጵያ፣ምስ ኣፍሪካ ናይ ቀደም መንግስታት ዝፀየቑዎም ርክባት ንምዕራይ ድልዋት ኢና።’’ኢሎም።

ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ጉጅለ ልኡኽ ግብፂ ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ዝርርብ ብግብፃዊያን ይካየድ ከምዘይነበረ ምስሓበሩ ሕዚ ንዝርርብ ቅሩብ ምዃኑ ዘርእዮ ሓቂ እንተሃለወ ለውጢ ምህላው ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ’ውን ንዝርርብ ድልውቲ ምዃና ዝገለፁ ኣቶ ሃይለማሪያም እቲ ነቲ ዓብይ ግድብ ክኸውን ዝተሓረየ ቦታ ብኣሜሪካዊያን ሰብ ሙያ ኣብ 1964 ኣ/ፈ ዝተፀንዐን ዝተመረፀን ከምዝነበረ ኣቶ ሃይለማሪያም ሓቢሮም።

እቲ ህንፀት ሕዚ ኣብ ግብፂ ምስ ዝተፈጠረ ህውከት ዝተኣሳሰር ከምዘይኮነ ኣቶ ሃይለማሪያም ከምዚ ይብሉ። ’’እዚ ስራሕ እዚ ዝተጀመረ ናይ ግብፂ ህውከት ኣብዝተፈጠረሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣይኮነን።ትማሊ ዝተፈጠረ ናይ ግብፂ ህውከት ምስ’ዚ ምርኻብ ኣግባብ ኣይኮነን።እቲ ግድብ ሕዚ ኣይተጀመረን።እቲ መፅናዕቲ ተወዲኡ ናብ ስራሕ ዝተኣተወ ግን ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ህውከት ኣብዝተልዓለሉ እዩ።’’ኢሎም።

ምኽትል ቀዳማይ ምስቴርን ናይ ወፃኢ ምንስቴርን ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብቲ ናይ ሎማዕንቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ንዝተልዓሉ ሓቶታት እውን መልሲ ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG