ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ፍፃመ ኣኽቢደ እየ ዝሪኦ ኢሉ


ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰኒ 19 መስከረም 2007 ዓ/ም ጠበንጃ ዝሓወሰ ንዝተፈጥረ ኣጋጣሚ ብቐሊሉ ከምዘይሪኦ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ገሊፁ።ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ደሕንነትን ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ’ሎ።ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም ኣሎ ንዝበልዎ በደል ንምሕታት ናብ ኤምባሲ ስለዝኸድና እዩ ቶኽሲ ተኸፊቱና ይብሉ ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንወሃቢት ቃል እቲ ምንስቴር ጀን ሳኪ ብምጥቓስ ኣብዝለኣኾ መግለፂ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቤት ፅሕፈት ደሕንነትን ይራኸብ ከምዘሎ ይገልፅ።ቀፃሊ ምፅራይ ግን ብናይ ዩናይትድ ስቴትስ ደሕንነት ከምዝካየድ ገሊፀን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኦጋዴንን ክልል ጋምቤላን ኢትዮጵያዊያን ስለዝተቐተሉ ሕቶታትና ንምቕራብ ናብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ቶኽሲ ተኸፊቱና ክብሉ ካብቶም ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾኑ ኣቶ መኮነን ጌታቸው ገሊፆም። ብፍላይ ኣብ ኦጋዴን ናይ ዝተቐተሉ ሰባት ሬሳታት ምርኣዮም ዕረፍቲ ከምዝኸልኦም ይዛረቡ።

ኢትዮጵያዊያን ኣብ ጋምቤላ ይቕተሉ ምህላዎም ሓበሬታ ካበይ ከምዝረኸቡ ተሓቲኦም ኣቶ ጌታቸው መኢኢኣድ ዝተብሃለ ውድብ ብኣካል ኣብቲ ቦታ ከይዱ ዘረጋገፆ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ወይ ፌስቡክ ዝወፀ ከምዘንበቡን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኢሳት ዝተብሃለ መራኸቢ ማዕኸን እውን ዕላዊ ከምዝገበሮን ሓቢሮም።

ነዚ ተፈፂሙ ዝበልዎ በደል ጥርዓን ንምቕራብ ናብ ኤምባሲ ከይድና ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ናብ ኤምባሲ ከይድና እንታይ እዩ ዝፍፀም ዘሎ ኢልና ሕቶና ንኣምባሳደር ንምቕራብ ኣብዝኸድናሉ እዋን ቶኽሲ እዩ ተኸፊቱልና’’ኢሎም።

ናይቲ ኤምባሲ ይኹን ናይቶም ኣምባሳደር ክብሪ ብዘይትንክፍ ሕቶታትኹም ኣይቕረብኩምን፣ኣብቲ ኤምባሲ ዝነበረ ሕጋዊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣውሪድኩም ነቲ ናይ ቀደም ባንዴራ ሰቒልኩም ንዝብል ሕቶ እውን ኣቶ መኮነን ኢትዮጵያዊያን ዝሰማምዐሉ ባንዴራ እዩ ክብሉ መሊሶም።

ሕዚ ብዝበፅሐና ሓበሬታ ድማ ኣብ እምባሲ ኢትዮጵያ ጥይት ዝተኮሰ ሰብ ተኣሲሩ ንዝብል ፀብፃብ ‘’ኣይተኣሰረን፣ኣይተትሓዘን እውን’’ ክብል ቤት ፅሕፈት ደሕንነት ዩናይትድ ስቴትስ/ሰክሪት ሰርቪስ/ ገሊፁ።መሰኻኽር ናይቲ ኤምባሲ ሓላዊ ዝበልዎ ሰብ ተኣሲሩ ምስ ዝብል ፀብፃብ ዝጋጨ እዩ።ሰራሕተኛ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝኾና ኒኮል ማይኖር ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ክመፅእ ኣለዎ ኢለን።

ብዛዕባ እዚ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ትማሊ ሰኒ ጀሚሩ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG