ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ኔዘርላንዳዊ ክሱስ ገበናት “ቀይሕ ሽብር” ንሕልፈት ተፈሪዱ


ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድስ ነቲ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ብ”ቀይሕ ሽብር” ዝፍለጥ እዋን ገበናት ኩናት ፈጺሙ’ዩ ዝበሎ ኢትዮጵያዊ ኔዘርላንዳዊ አባል ስርዓት ደርግ ነበር ንናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ፈሪዱ።

ዳኛ እቲ ኣብ ዘ ሄግ ዝተጋብአ ቤት ፍርዲ ማርተ ረንቸክንስ “ወዲ 63 ዓመት እሸቱ አለሙ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሃገሩ ገበናት ኩናት ብምፍጻምን፡ ክነብሩ ዘይክእልሉ ኩነታት ብምፍጣር ዝብሉ ክስታት ገበነኛ እዩ” ኢለን።

ይኹን ደአ እምበር እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣብ ዝሃበሉ መጋባእያ ክሱስ ኮነ ጠበቓታቱ ከምዘይተረኽቡ ዝተፈልጠ ኮይኑ ዳኛ ረንቸክንስ ብወገነን ነቲ ኩነታት “ዘሕዝን’ዩ” ክብላ ኮኒነን።

ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኽቡ ቤተሰብ ግዳያት ግን ፍትሒ ተረኺቡ ክብሉ ሓጎሶም ብጣቕዒት ክገልጹ ተራእዮም’ዮም።

ኢትዮጵያዊ ኔዘርላንዳዊ ክሱስ ገበናት “ቀይሕ ሽብር” ንሕልፈት ተፈሪዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:11 0:00

አኽበርቲ ሕጊ፡ ክሱስ እሸቱ አለሙ ላዕለዋይ አመሓዳሪ ኣውራጃ ጎጃም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ገበናት ኩናት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ፈጺሙ እዩ ክብሉ ይኸሱ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድስ ኣብቲ ዝቐረበ ኣርባዕተ ክስታት ገበናት ኩናት ስም ዝርዝር ኣስታት 321 ግዳያት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ክስታት “ብሃውሪ ምእሳር፡ ጨካን ወይ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያንን ሰባትን ኢዶም ዝሃቡ ተጋደልቲ” ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብቲ መጋባእያ ምስክርነቶም ዝሃቡ ውልቀሰባት ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ዝእሰርሉ “ ናይ ጸልማት ክፍልታት” ዝበልዎን ዝነበረ ኣተሓሕዛን ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ወርቁ ዳመነ ይፍሩ ወዲ 16 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተአሲርሉ ኣብ ዝነብረ ቤት ማእሰርቲ ከተማ ደብረ ማርቆስ ጎጃም ናይ ብዙሓት ሰባት መቓብር ክፈሓር ከምዝረአየ፡ ክሱስ እሸቱ አለሙ ድማ ወታሃደራቱ ንኣስታት 80 ሰባት ቀቲሎም ኣብቲ መቃብር ክድርብዩ ከለው ይዕዘብ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ክሱስ አለሙ እሸቱ ናይ ደርግ አባል ምንባሩ እንተአመነ እኳ ንዝቐረበሉ ክስታት ግን ኣይተቐበለን። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ መጋባእያ “ተንበርኪኹ ንኩሎም ቤተሰብ ግዳያትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ይቕሬታ ከምዝሓተት” እንተገለጸ ንዝቐረበሉ ክስታት ግን ብውልቂ ሓላፍነት ከምዘይወስድ ሓቢሩ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG