ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዘላቒ ምትሕብባር ንምፍጣር ዝተብሃለሉ ኣኼባ ኣካይዶም


ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ዝሓልፈ ቀዳም ኣብዚ ኣብ ኣርሊንግተን ቨርጂኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ምትሕብባር ንምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ሓሳባት ምዝርራቦም ተፈሊጡ።

ናይ ሓባር ምንቅስቓስ ንሓድሽ ኢትዮጵያ ብዝብል ሽም ዝፍለጥን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝሰርሕን ናይ ሲቪክ ትካል ዘዳለዎ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ብሄራት ሃይማኖታትን ከምኡ እውን ንዓርሶም ዝወከሉ ወልቀሰባት ዝተሳተፍሉ ነይሩ።

እዞም ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያዊያን ትካላዊ ምምሕዳር ኣብዘይተጠናኸረላ ሃገሮም ማሕበረሰባት ክፃወትዎ ዝግባእ ጊደ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሕድ ሕድ ምትሕብባር ሓሳባት ዘተኮረ ነይሩ።

ናይዚ ኣኼባ እዚ ዕላማ ነቲ ህዝቢ መድረኽ ምሃብ እዩ ይብሉ መራሒ ናይ ሓባር ምንቅስቓስ ንሓዳሽ ኢትዮጵያ ዝተብሃለት ትካል ኣቶ ኦባንግ ሜቶ።

ኣብ ኤርትራ ዝተወለደት ፊዮሬላ ሮማኖ ናይ ክልተ ዓለም ሰብ ምዃና ትዛረብ።ኣብ ቁልዕነታ ናይ ሓንቲ ኢትዮጵያ ታሪኽ ካብ ወለዳ ክትሰምዕ ከምዝዓበየት ብምግላፅ ድሕሪ ነፃነት ኤርትራ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ብምልዓሉ ዝተፈጠረ ምፍልላይ ንኽልቲኡ ህዝቢ ከምዝጎድኦ ምስ ናይ ባዕላ ተመኩሮ ገሊፃ።ኣስዒባ ‘’ኤርትራን ኢትዮጵያን ማለት ተዋሊድና ኢና።ብደም ንራኸብ ኢና።ኣበላልዓና ኣከዳድናና ኩሉ ነገርና ሓደ ዓይነት እዩ።ዘይምዕዳል ኮይኑ ኣብ ናትና ግዜ ናብትን ናብዝን ኮይንና’’ኢላ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ፈረስት ሂጅራ ኢማም ሸኽ ኻሊድ ዖማር ኣብ ጉዳያት ሃገርን ማሕብረሰብን ለውጢ ንምምፃእ ደለይቲ ለውጢ ባዕሎም ክልወጡ ኣለዎ ኢሎም።

‘’በደል ኣሎ፣ዝተበደሉ ሰባት ኣለው፤ዝበደሉ ሰባት እውን ኣለው።ነዚ ናይ ምቕባል ግቡእ ኣለና’’ዝበሉ ድማ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ስርዓተ ፍትሒ ዝሰርሑ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣብ ኣፈታትሓ ግጭትን ህንፀት ሰላምን ዝሰርሑ እስራኤል ኢታንሳ ፈይሳ እዮም።ቅድሚ ኩሉ ናይ ማሕበረሰብ ዕርቅን ሓድነትን ምፍጣር ኣገዳኢ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣኼባ ሓድሽ ትውልዲ፣ሓድሽ መንገዲ፣ሓድሽ ናይ ምትሕብባር ስልቲ ኣድልዪ ምዃኑ ተሳተፍቲ ዝከምዝተዘራረብሉ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG