ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

25 ኢትዮጵያዊያን ካብ ኬንያ ተሰጉጎም


ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኬንያ ንኣስታት 25 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ሂብዎም ክብሉ ኣብ ናይሮቢ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ንካልኦት ዕቑባ ክሓቱ ናብ ኬንያ ዝኸዱ 41 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኬንያ ከምዝኣተዉን ናይቲ ማሕበረሰብ መራሒ ኣቶ ሸጋ ኣረዶ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።

መንግስቲ ኬንያ፡ 12 ኢትዮጵያዊያን ዝሓለፈ ዓርቢ ካልኦት 13 ሰባት ድማ ትማሊ ሰንበት ሞያለ ናብ ዝርከብ ጨነፈር ኢሚግሬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ሂብዎም።

ኣብ ኬንያ ዝርከብ ወሃቢ ቃል UNHCR ዱኬ ሙዋንቻ ብመንግስቲ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ ተዋሂቦም ብዛዕባ ዝተባሃሉ ሓተቲ ዕቑባ የጻርዩ ከምዘለዉ ገሊጾም ኣለው።

ብኻልእ ዝተሓሓዘ ዜና ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንኽልተ ኬንያዊያን ዓፊኖም ምውሳዶም ጋዜጣታት ኬንያ ንኮሚሽነር ከባቢ ማርሳቢት ሞፋት ካንጊ ብምጥቃስ ጸብጺበን።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ንዶብ ኬንያ ብምጥሓስ ንሰለስተ ፖሊስ ኬንያ ምቕታሎም ጋዜጣ The Daily Nation ምጽብጻባ ይዝከር።

ካብ ናይሮቢ ዝተረኽበ ጸብጻብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣሕሊፎም ተዋሂቦም ዝተብሃሉ 25 ኢትዮጵያዊያን ይኹን ተዓፊኖም ዝተብሃሉ ክልተ ኬንያዊያን ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

Recommended

XS
SM
MD
LG