ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ዝተፈላለዩ ኸባቢታት ኣውሮጳ ዝተዋጽኡ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ብራስልስ ሰልፊ ኣካይዶም


ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባቢታት ኣውሮጳ ዝተዋጹኡ ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ኣብ ብራስልስ ቤልጁም ኣብ ኣፍደገ ሕብረት ኣውሮጳ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሕብረት ኣውሮጳ አባል ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጥታዊን ጭቡጥን ተጽዕኖ ከዕርፋ ንምሕታት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ዝተፈላለየ ማህበረሰብ ዝተዋጽኡ ኢትዮጵያዊያን ኸምዝተሳተፉ ካብ አተሓባበርቲ ሰልፊ አቶ ኤፍሬም ሻውል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም’ለው።

ዕላማ’ቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ዝወርድ ዘሎ በደል ሕብረት ኣውሮጳ ኻብ ዘውጽኦም መግለጽታት ሓሊፉ ጭቡጥን ቐጥታዊን ድፍረት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከካይድ እዩ ክብሉ ኣቶ ኤፍሬም ሻውል ኣረድኦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG