ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ልዕሊ ህወሓት ቕልጡፍ ዓወት ዘመዝገብና ፍትሓዊ ኵናት ስለ ዘካየድና እዩ' ጀነራል ብርሃኑ ጁላ


ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ቕልጡፍ ዓወት ዘመዝገብናዘመዝገበ ፍትሓዊ ኵናት ብምክያዱ እዩ ኢሎም ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ብርሃኑ ጁላ።ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብወገነን ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘመዝገቦ ተጋድሎን ዓወትን ኣብ ታሪኻ እናተዘከረ ዝነብር እዩ ኢለን ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምምስጋን።

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስካይ ላይት ሆቴል ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምምስጋን ኣብ ዝተዳለወ ስነስርዓት ጠቕላሊ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተኻየደ ወታደራዊ ወፍሪ ኣብ ሓፂር ግዜ ብዓወት ምዝዛሙ ገሊፆም።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሚሊሺያን ፖሊስን ክውድብ መሰል ዝተወሃቦ እቲ ንናይ ባዕሉ ክልል ንምክልኻል እምበር ንኢትዮጵያ ንምውራር ክጥቀመሉ እዩ ተባሂሉ ኣይሕሰብን ኢሎም።

ናብ ምክልኻል ዝኣተው ወታደራት ተወለድቲ ትግራይ ዝኣተወ ንኢትዮጵያ ንምሕላው ከይኮነስ ንናይ ህወሓት ኣጀንዳ ንምሕላው ምዃኑ ኣለዓዒሉ ንኢትዮጵያ ክወርር እዩ ኢሉ ዝሓሰበ የለን ኢሎም ብምውሳኽ።

ህወሓት ብዝወልዖ ሓዊ ናይ መወዳእትኡ ኣቀላጢፉ ኣሎ ኢሎም።

ሎሚ ኩሉ ነገር ተወዲኡ እዩ፤ኢትዮጵያ ሓንቲ ኮይና እያ፣መራሕቲ ህወሓት ካብ መኪና ወሪዶም እግረኛ ኮይኖም ኣለው፣ነቲ እግረኛ ንሃድኖ ኢና ዘለና፣ኣራሪና ናብ ሕጊ ክነቕርብ ኢና ኢሎም ጀነራል ብርሃኑ።

ዝተወረሩ ኣፅዋራት እውን ተመሊሶም ኣለው ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ህዝቢ ብዘይ ሰራዊት ሰራዊት ብዘይህ ህዝቢ ምንባር ኣይክኣልን ብደገፍን ሓገዝን ህዝቢ ስዒርና ኣለና ንህዝቡ ትግራይ ካብቲ ጉጅለ ነፃ ምውፃእ ተኻኢሉ ኣሎ ኢሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺበን መደረ ዘስምዓ ናይ ኢፌዴሪ ፕረዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሰራዊት ምክልኻል ዝተመዝገበረ ዓወት ኣብ ታሪኽ ተፃሒፉ ክቕመጥ እዩ ኢለን።

ብኻሊእ ዜና ብህወሓት ተማሪኾም ዝነበሩ ናብ 5,000 ዝፅግዑ ኣባላት ሰራዊት ሰሜን እዚ ኣብዚ ሰሙን ብወገን ተከዘ ኣቢሎም ናብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ወረዳ በየዳ ይኣትው ከምዘለው ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ናይቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG