ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓላፍነታት ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን


ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ኣብዝየለሉ እዋን ም/ቀ/ሚ ኩሎም ሓላፍነታት ቀ/ሚ ተኪኡ ንኽሰርሕ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብንፁር ኣቐሚጡዎ እዩ ይብሉ ሓደ ክኢላ ሕጊ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ስራሕ ኣብዘየሉ እውን ተፀዋዕነቱ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እዩ'ውን ይብሉ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ኣብዘየለሉ እዋን ምኽትል ቀዳማይ ሚንስቴር ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ነቲ ቀዳማይ ምንስቴር ተዘርዚሮም ዝተውሃብዎ ሓላፍነታት ንኽሰርሕ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብንፁር ዘቐመጦ እዩ ይብሉ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ረዳኢ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ሕጊ ዝኾኑ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ረዳኢ እቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ስራሕ ኣብዝርከበሉ እዋን ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ተፃውዕነቱ ነቲ ቀዳማይ ምንስቴር ከምዝኾነን እቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብዘየለሉ እዋን ግን ንፓርላማ እዩ ይብሉ።

ዝርዝሩ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG