ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ- ካናዳዊ ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ ናይ 2.5 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንሰብኣዊ ሓገዝ ቓዛ ለጊሱ


ኢትዮጵያዊ ካናዳዊ ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ (ዘ ዊክኢንድ)
ኢትዮጵያዊ ካናዳዊ ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ (ዘ ዊክኢንድ)

ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናይ ክብሪ ኣምባሳድር ዝዀነ ኢትዮጵያዊ ካናዳዊ ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ (ዘ ዊክኢንድ) ኣብ ቓዛ ንዘለዉ ተጸበይቲ ሓገዝ ዝውዕል 2.5 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምግባሩ፡ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ንሰብኣዊ መዓላ ዝውዕል ሓገዝ ዘ ዊኪንድ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት 764-ሽሕ ፍልስጤማውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን’ዩ ተረኺቡ።

ተዓዋቲ በበይኑ ሽልማታት ሙዚቃ ዝዀነ ኣቤል ተስፋዬ፡ ካብ 2021 ኣትሒዙ ናይ ክብሪ ኣምባሳድር ናይ ፕሮግርም መግቢ ዓለም’ዩ።

ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ወርሒ ሚያዝያ 2021፡ ድምጻዊ ኣቤል ብመንገዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣቢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርአ ዝነበረ ጥሜት ንምዕጋት ሓደ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምግባሩ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG