ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ዝጠፍአ ገንዘብ ንምምላስ ይጽዕር


ኤቲኤም ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ - ፋይል
ኤቲኤም ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ - ፋይል

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብቐዳም ድሕሪ ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ናይ ኮምፕዩተር ብልሽት፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ምዃኖም ዝተፈልጡ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝውውር ገንዘብ ገይሮም ኣስታት 40 ሚልዮን ዶላር (2.4 ቢልዮን ብር) ድሕሪ ምጥፋኡ እቲ ባንክ ንምምላሱ ኣብ ምጽዓር ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ባንክ ኣቶ ኣበ ሳኖ፡ እቲ ብልሽት ነቲ ኣገባብ ምምሕያሽ ይግበረሉ ከም ዝነበረ ከም ዘጋጠመ እምበር፡ ብደገ ነቲ ኣገባብ ብዝሰበሩዎ (ሃክ ዝገበሩዎ) ሰባት ከም ዘይነበሩ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣፍሊጡ።

ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት እናተነጋገሩ ገንዘብ ከሰጋግሩ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ባንክ ጸኒሑ ንሰዓታት ዝኣክል ከም ዝተዓጽወን ኣገልግሎት ደው ከም ዘበለ ይፍለጥ።

ኣቶ ኣበ፡ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ነቲ ዝተወሰደ ገንዘብ ንምምላስ ኣብ ስራሕ ኣሎ። ነቶም ገንዘብ ዘሰጋገሩ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ’ውን ክሲ ከም ዘይምስረተሎም እቲ ባንክ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ቀዳም ፍጻመ፡ ዓማዊል እቲ ባንክ፡ ሻቕሎት ስለ ዝሓደሮም ገንዘብ ንምውጻእ ነዊሕ መስርዕ ይገብሩ ምህላዎምን መውጽኢ ገንዘብ ማሺናት ብሰንኪ ጻዕሪ ብልሽት ምግጣመን ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ 1963 ዝተመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ንግዳዊ ባንክ፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ተገልገልቲ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG