ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኬንያ 25 ሓተቲ ዕቑባ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ሂባ ንዝብል ዜና መንግስቲ ኬንያ ኣሉታ ሂቡሉ’ሎ።
ኣስታት 28 ተወላዶ ኦሮሞ ዝኾኑ ተማሃሮ ኣብ ሰሜን ኬንያ ከባቢ ማርሳቢት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ UNHCR ይገልጽ።
ናብ ኬንያ ዝተሰደዱ እዞም ተማሃሮ ፖሊስ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ ንክመልሶም ሒዙዎም ምስ ተባህለ ጨንፈር UNHCR ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ንክቐርብ ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ክወሃቦ ንመንግስቲ ኬንያ ሓቲቶም።
እቲ ጉዳይ ንሓደ ሰሙን ክፀንሕ ሓቲትና ኣለና።ነቲ ጉዳይ ብዕምቀት ንኽንሪኦ፣ሰብ ሙያ ሕጊ ናብቶም ሓተቲ ዕቑባ ክንልእኽ ግዜ ንምርካብ እዩ።ንስደተኛታት ዝሕለቕ Refugee Consortium of Kenya ዝተብሃለ ትካል እውን ናብቲ ቦታ ክንልእኽ ኢና ይብል UNHCR።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።