ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ዓቃቢ ሰላም ሶማልያ ምፅንባሩ ዝድገፍ‘ዩ ይብሉ ፕረዚደንት ሶማልያ


ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ
ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ ዓቃቢ-ሰላም ሶማልያ ምሕዋሱ ከምዝቅበልዎ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ገሊፆም።

ፕረዚደንት መሓመድ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ ሶማልያ ብዘይኣፍልጦ ይንቀሳቀሱ ከምዝፀንሑን ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ናብ ዓቃቢ-ሰላም ምሕዋሶም ተቀባልነት ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ፕረዚደንት ”ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ኣሚሶም ምፅምባሮም ንቅበሎ‘ዩ።ካብኡ ሓሊፉ ንውግእ ፀረ ኣል-ሸባብ ስለዘሕይሎ፣ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ክልውጦ‘ዩ ኢለ‘የ ዝኣምን። ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ሰራዊት ኢትዮዽያ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ተፈቂዱሎም‘ሎ።ብሓላፍነታዊ መንፈስ ወፍሮም ክትግብሩ‘ዮም” ኢሎም።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፣ነቲ ብገለ ወገናት ምእታው ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ፣ ኣል-ሸባብ ሰራዊት ንምኽታብ ክብለፀሉ‘ዩ ዝብል ገምጋም ነፂጎምዎ።

”ኣል-ሸባብ ሶማልያዊ መበቆል የብሉን።ኣረኣእያ ዝወለዶ‘ምበር።ፀላእቲ ህዝቢ ሶማልያ‘ዮም።ንከይድምሰሱ ተባሂሉ ክቀርብ ዝኽእል ምኽንያት የለን። ሶማልያውያን ሎሚ ለቢሞም‘ዮም።ብኣል-ሸባብ ክደናገሩን ክዕሸውን ኣይኽእሉን” ኢሎም ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ።
XS
SM
MD
LG