ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ‘ሸባብ ብንጥፈታት ሚድያ ኣዝዩ በሊሕ ምዃኑን እቲ ውግእ ገና ከይተጀመረ፣ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ወትሃደራት ኢትዮጵያ ቀቲለን ኣቑሲለን ምባሉ ንስዕረቱ ንምጉልባብ ሓሊኑ’ዩ ኢሎም።
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶማልያ ዝወፈሩ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ኬንያ፣ ቡሩንዲን ኡጋንዳን ተመሳሳሊ ጥቅዓት ኣውሪዱ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደን ናይ ሎሚ ዕላምኡን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ደምሲሰ ነቲ ካምፕ ክቆፃፀሮ’የ ዝብል ከምዝነበረ እቶም ኣምባሳደር ሓቢሮም።
እንተኾነ ኣብ ዕርዶም ኮይኖም ዝተፀበይዎ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ተኸላኺሎም ናብ መልሰ መጥቃዕቲ ብምስጋር፣ ንምልሻታት ሸባብ ተኸታቲሎም ከምዝደምሰስዎም ኣምባሳደር ወንድሙ ገሊፆም።
ብሬድዮኡ ኣቢሉ መግለፂ ዝሃበ ሸባብ፣ ን18 ወትሃደራት ኢትዮጵያ ቀቲለ ነቲ ካምፕ ተቖፃፂረ ምባሉ ዝረኸብናዮ ሓቢሩ ነይሩ። ኣቶ ወንድሙ ግና ንመግለፂ ሸባብ ብምንፃግ ኣበይ ኮይኖም’ዮም ንሙውታት ቆፂሮምዎም? ኢሎም።
ብመሰረት ሓበሬታ ፈነወ ወግዓዊ ሬድዮ ኣል-ሸባብ ዝኾነ ሬድዮ ኣንዳሉስ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሓሙስ ኣብ መዓስከር ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘካየዶ መጥቓዕቲ 43 ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምቕታሉ ነቲ መዓስከር ምሉእ ብምሉእ ምዕናዉ ሓቢሩ ኔሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ብመጥቓዕትታት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ 54 ሰራዊት ብሩንዲ ኣብ ለጊ፡ 19 ኡጋንዳዊያን ሰራዊት ኣብ ጃነሌን ከምኡ‘ውን ልዕሊ 100 ኬንያዊያን ኣብ ኢል-ኣደ ምቅታሎም ይዝከር።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።