ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ሽምዓ ምብራህ ምሕፅንታ ኣብ ካናዳ-ኦታዋ ድማ ፀረ ኢህወደግ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ


ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓ’ውን ብተመሳሳሊ ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲስን ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮፓ ከምኡ’ውን ሎማዕንቲ ኣብ ካናዳ ናይ ሽምዓ ምብራህ ምሕፅናታ VIGIL ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኢትዮጵያዊያን ዘካየድዎ ናይ ሽምዓ ምብራህ ምሕፅንታ ዘዳለዎ March-4-Freedom ዝተብሃለ መድርኽ እንትኸውን ካብ ኣባላት ኣሰናዳእቲ ሓደ ዶ/ር ካሳ ኣያሌው እዮም።ከምናቶም መግለፂ ከምዚ ዝበለ ፕሮግራም ኣብ ካልኦት ናይ ኣውሮፓ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ሲውዘርላንድ ተኻይዱ’ሎ።ኣብ ካልኦት’ውን ክቕፅል እዩ።

ኣብ ዲሲ እንነብር ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንን ኣብ ማእሰርቲ ይንገላትኡ ንዘለው ወገናትና ብፍላይ ድማ ብፖለቲካዊ እምነቶም ብግፍዒ ምስ ዝተኣሰሩ ወገናትና ሓቢርና ጠጠው ምባልና ንምርእይ ዝተኽእየደ እዩ ይብሉ ዶ/ር ካሳ።

ብዝተኣሳሰረ ምምሕዳር ፕሬዝዳንት ኦባማ ጥርዓኖም ሰሚዑ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ብምግባር ፖለቲካዊ እሱራት ብህፁፅ ንኽፍትሑ ንምሕታትን’ውን ከምዝኾነ ወሲኾም ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ከምዝገለፆ ግን እዞም ዝተጠቐሱ እሱራት ብሽብር ዝተጠርጠሩ እዮም ይብል።ሓበሬታ ኣኪቡ ብቤት ፍርዲ ንምውሳን እናተዳለወ እዩ’ሞ እቶም ሰባት ካብ ዝኾነ ይኹን ገበን ንፁሃት እዮም ንምባል ናትኩም መረዳእታ እንታይ እዩ ተባሂሎም ዶ/ር ካሳ ተሓቲቶም ኣብ ኢትዮጵያ ነፃ ዝኾነ ናይ ፍርዲ ስርዓት ከምዘለየ ህዝቢ ዓለምን፡ህዝቢ ኢትዮጵያን ይፈልጥ እዩ ምምሕዳር ኦባማ’ውን ኣብዝተፈለላዩ እዋን ብዘውፅኦም ሪፖርትታት ሓቢሩ’እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓትን ኣብያተ ፍርድን ናይ ሓደ ስንቲም ክልተ ገፅ ስለዝኾኑ ፍትሒ ክረኽቡ እዮም ሕልሚ እዩ ኢሎም።ኢሎም።

ኣብ ካናዳ ኦታዋ’ውን ፀረ-ኢህወደግ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብዚ ሕዚ ስዓት እናተኻየደ እዩ።ኣብ ፊት ንፊት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ምክያድ ይርከብ።ነቲ ሰልፊ ዘዋደዶ ናይ ኢትዮ-ካናዳ ዴሞክራሲያዊ መድረኽ ንምንስቴር ወፃኢ ጆን ቤይርድ ዝፀሓፎ ደባዳቤ’ውን ኣቕሪቡ’ሎ።

ትሕዝቶ እቲ ደብዳበ ዝተኣሰሩ ሰባት ንኽፍትሑን ቅድሚ ሕዚ ሃለዋቶም ዝጠፍአ ንዝበሉዎም ብምልዓል ከምዝሓተቱን ኣቦ መንበር እቲ መድረኽ ኣቶ ዳኘው ተገኝ ገሊፆም።

ምንስቴር ወፃኢ ካናዳ ነቲ ደብዳበ ከምዝተቐበልዎን ኣብቲ ጉዳይ’ውን እናሓሰብሉ ከምዝኾነን ኣቶ ዳዊት ገሊፆም ይብል መሳርሕትና ኣዲሱ ኣበበ።

XS
SM
MD
LG