ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሓለፍቲ ንዝነበሩ ሰበስልጣን ብኣምባሳደርነት ሸይማ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት መንግስቲ ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ሰበስልጣን ብኣምባሳደርነት ምሻሙ ተገሊፁ።ኣማኻሪ ቀዳማይ ምንስቴር ዝኾኑ ኣቶ ኩማ ደመቅሳን ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲን ካብዝተሸሙ ገሊኦም እዮም።

ምንጭታት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ ብኣምባሳደርነት ካብ መንጎ ዝተሸሙ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት መንግስቲ የገልግሉ ዝነበሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣማኻሪ መፅናዕቲ ኮይኖም ክሰርሑ ዝፀንሑ ኣቶ ኩማ ደመቅሳ ኣብ በርሊን ጀርመን ምሉእ ኣምባሳደር ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

ኣቶ ኩማ ደመቅሳ ናይ ኦሮሚያ ክልል ፕሬዝዳንትን ከንቲባ ኣዲስ ኣበባን ብምዃን ዘገልገሉ እዮም።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ እውን ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ብዓል ሙልእ ስልጣን ኣምባሳደር ንክኾኑ ምሻሞም ምንጭታት ኣረጋጊፆም ኣለው።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ወሃቢ ቃል ቅድሚ ምዃኖም መቐመጢኦም ኣብ ስዊዲን ብምግባር ናይ ሓሙሽተ ናይ ስካንድኒቪያ ሃገራት ኣብምባሳደር ብምዃን ኣገልጊሎም እዮም።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብምዃን ኣብዘገልግሉ እዋን ብፍላይ ምስ ናይ ውሽጥን ወፃእን መራኸቢ ብዙሃን ብዝንበሮም ፅቡቕ ርክብ ይፍለጡ።መን ከምዝትክኦም ግን ኣይተፈልጠን።

ብኣምባሳደርነት ካብ መንጎ ዝተሸየሙ ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ዋና ዳይረክተር ብዓል ስልጣን ማእኸላይ ስታትስቲክስ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሓ ወ/ሮ ሳሚያ ዘካሪያ ኣብ ሌጎስ ብዓልቲ ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኮይነን ምሻመን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG