ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓርፎ ነፈርቲ ንምስፋሕ ስምምዕ ንድፊ ፈሪሙ


ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጥቀመሉ መዓርፎ ነፈርቲ ንምስፋሕ ምስ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ትካል ንድፊ ሎሚ ፈሪሙ። እቲ ከተማ ቢሾፍቱ ንኽስራሕ ሎሚ ምስቲ ንድፊ ዘዳሉ ትካል ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር፡ እቲ ስራሓት ህንጻ ኣብ 2029 ንኽዛዘም ትጽቢት ዝግበሮ’ዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ መስፍን ጣሰው ንሮይተርስ እቲ ሓድሽ መዓርፎ ነፈርቲ 270 ነፈርቲ ዝሕዝን ኣብ ዓመት 100 ሚልዮን ገያሾ ዘንቀሳቕስን ክኸውን’ዩ።

መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዓመት ክሳብ 25 ሚልዮን ገያሾ የገልግል ከም ዘሎ ኣቶ መስፍን ጣሰው ሓቢሮም።

ኣብ ቢሾፍቱ ክሳራሕ ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ 6 ቢልዮን ዶላር ዝሓትት ምዃኑ ኣብቲ ሎሚ ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር ክልተ ኣካላት ተሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG