በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ተግባር ምጽላም’ዩ’ ክብል እቲ መንገዲ ኣየር ገሊጹ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወሲኹ ነቲ ዝሓለፈ ውሳነ ምቁራጽ በረራ ዳግማይ ንክጽናዕ’ውን ሓቲቱ ኣሎ።
በዓል- መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም ጀሚሩ ናብ ኤርትራ ይገብሮ ዝነበረ በረራ ከምቋርጽ ንዝገለጸሉ ክሲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዘይቕበሎ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው ገሊጾም’ ኣለው።
ኤርትራዊያን ዓማዊሉ ዝሕዝዎም ሻንጣታት ልዕሊ ዓቅሚ’ተን ኣውሮፕላናት ምስ ምኻኑተኣሳሲሩ፣ ሻንጣታት ደንጉዮም ከምዝበጽሑ ዘዘኻኸሩ ኣቶ መስፍን እዚ ጸገም’ዚ ግና ቅድም ኢሉ ፍታሕ ዝረኸበ’ዩ ኢሎም።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጽቡቕ ርክብ ንክህሉ ንግዲን ቱሪዝምን ንክሕይል ከምዝሓገዘ ዝገለጹ ኣቶ መስፍን ኤርትራ ንዘንበረቶ እገዳ ንክተልዕሎ ደጊማ ንክትሪኦ ሓቲቶም።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ዘይተኸፈለ ገንዘብ ኣመልኪቶም ኣቶ መስፍን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብዶላርን ናቕፋን ገንዘብ ከምዘለዎ፣ "እቲ ዶላር ነምጸኦ ኣለና፣ ብመልክዕ ናቕፋ ዘሎ ገንዘብ’ቲ መንገዲ ኣየር ግና ንዓመታት ዝጸንሐን ብቐሊሉ ዝመጽእ ኣይኮነን ብመሰረት ስምምዕነት ክልቲኤን ሃገራት ጥራሕ’ዩ ዝመጽእ" ኢሎም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንሰራዊት ስለዘመላለስ ንዓለምለኸ ኣሰራርሓ ይጥሕስ ኣሎ ንዝብል ዝቀረበ ክሲ ኣቶ መስፍን ክምልሱ ከለው ብመሰረት ዓለምለኸ ኣሰራርሓ ጥራሕ ዝፍጸም ሰራዊት ካብ ሓደ ስፍራ ናብ ካልእ ስፍራ ናይ ምንቅስቃስ ተግባር ከምዝገበር ጠቂሶም።
ቅጥዒ