ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሸሞንተ ተወሳኺ ነፈርቲ ቦዪንግ ክገዝእ ምዃኑ ኣፍሊጡ


ኣፍራዪ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ዝዀነ ትካል ቦዪንግ ኣብ ውሕስነት ስራሓቱ ፍሉይ ጠመተ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሸሞንት BA.N 777-9 ዝዓይነተን ነፈርቲ መጓዓዝያ ክገዝእ ምዃኑ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። እቲ መንገዲ ኣየር ቍጽሪ እተን ሓደስቲ ዝግዝኣ ነፈርቲ ናብ 12 ከደይበን ተኽእሎ ከም ዘለዎ’ውን ጠቒሱ ኣሎ።

ሓያሎ መንገዲ ኣየራት ነተን ዝወሓደ ነዳዲን ዝወስዳን ብከላ ዘይስዕባን “widebody jets” ዝብሃላ ነፈርቲ ኣብ ምግዛእ ኣብ ዝርከባሉ እዋን’ዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጱያ’ውን ነተን ነፈርቲ ንምግዛእ ወሲኑ ዘሎ።

ትካል ቦዪንግ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ማዕጾ ነፈርቱ ድሕሪ ምዝላቑ፡ ውሕስነት ተጓዓዝቲ ንኸማልእ ከቢድ ጸቕጢ’ዩ ክስዕቦ ጸኒሑ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዘን BA.N 777-9 ዝዓይነተን ነፈርቲ መጓዓዝያ ዝገዝእ ዘሎ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ መንገዲ ኣየር ምዃኑ’ዩ። እዚ ሓድሽ ዕድጊ ድማ ነቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ምስፋሕን ተወዳዳርነቱ ምሕያልን ዓቢ ድፍኢት ክኸውን ከም ዝኽእል ሮይተርስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG