ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ርእሲ ሓወይ ውረዱ ይብል ዶ/ር እንዳለማው ኣበራ


Ethiopian
ሓው እቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ነፋሪት ዝጨወየ ሓጋዛይ ፓይለት መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ፣ንሓወይ ካብ ርእሱ ውረዱ፣ክሳብ ፖሊስ ስዊስ መስርሕ ምፅራይ ዝዛዝም ተፀበዩ ክብል ተማሕፂኑ።

ተግባር ሓጋዚ ፓይለት ብሓደ ወገን፣ሰበ-ስልጣን መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ተወሳኺ ሓበሬታ ዘይምዝርጋሖም ብካልእ ወገን፣ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮዽያውያን ብርክት ዝበሉ ሕሜታትን ጥርጣረታትን ንክፃሓፉን ክዝረቡን ዕድል ፈጢሩ‘ዩ።

እቶም ሪኢቶታት፣ነቲ ሓጋዚ ፓይለት ገሊኦም ከምጅግና ክገልፅዎ ከለው ገሊኦም ድማ ፈጠራ ራዕዲ ይብልዎ።

ዶ/ር እንዳለማሁ ኣበራ ምስ ቪኦኤ ብሕታዊ ቃለ-ምልልስ ዘካየደ ሓው‘ቲ ንነፋሪት ዝጨወየ’ዩ ክዛረብ ከሎ ግና፣ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረ ሓጋዚ ኣይኮነን ይብል።

ኣብ ሕክምና ዝዋፈር ዶ/ር እንዳለማሁ፣ሓው፣ምልክታት መባእታዊ ፀገም ኣእምሮ ይራኣዮ ከምዝነበረ‘ውን ኣይከወለን።ምንጩ ግና ኣይፈለጦን።

እታ ነፋሪት ኣብ ጀኔቫ ምስዓለበት፣ፖሊስ ስዊስ ናብ‘ታ ነፋሪት ጠጒጎም ብምእታው ኩሎም መንገደኛታት ኣእዳዎም ንዕቅብ ክገብሩን ኣብ መንበሮም ንክፀንሑን ኣዚዙ‘ዩ።ጨዋዪ ካብ ሞንጎ‘ቶም መንገደኛታት ከምዘይኮነ ምስ ፈለጡ ግና፣መንገደኛታት ካብ‘ታ ነፋሪት ንክወፁ ገይሮም።

ነታ ነፋሪት ዝጨወየ ተክለመድህን ኣበራ ግና ንመስኮት ክፍሊ መቆፃፀሪ እታ ነፋሪት ከፊቱ ብገመድ ካብ‘ታ ነፋሪት ወሪዱ።ንፖሊስ ስዊስ ኢዱ ከምዝሃበ ይዝከር።
XS
SM
MD
LG