ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ክሊ ኣየር ሶማል ዝጠሓሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተመሊሳ፡” በዓልመዚ ኣቭየሽን ሶማል


በዓል መዚ ኣቪየሽን ሶማል፡ “ክሊ ኣየረይ ጥሒሳ” ብምባል ናብ ሃርጌሳ ቀኒዓ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝመለሰ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እታ ብቝጽሪ በረራ ET8372 ናብ ሃርጌሳ ነቒላ ዝነበረት ነፋሪት፡ ዓይነት Dash 8-Q400 ናብቲ ሶማል ኣካላ ምዃኑ እትገልጾ ክሊ ኣየር ንምብራር ኣቐዲሙ ፍቓድ ከም ዘየወጽአት እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብር። እንተዀነ ይብል ጋዜጣዊ መግለጺ ሲቪል ኣቭየሽን ሶማል፡ “እታ ነፋሪት ነዚ ከይገበረትን ኣንጻር ዓለማዊ ስምምዓትን ስለ ዝነቐለት ካብ ኣየር ክምለሳ፡” ከም ዝተገደደ ኣመልኪቱ።

ድምጺ ኣመሪካ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ንውልቃዊ ሕቶታት ከም ዘይምልስ ኣመልኪቱ። ኣብቲ መንገዲ ኣየር ሓላፊ መራኸቢታት ዝዀነ ኣቶ ኣሸናፊ ዘርኣይ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ምዃኖም ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማል፡ ዝያዳ መብርሂ ካብ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን መንግስቲ ሶማልን ንምስማዕ ዝግበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን። እንተዀነ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ሃርጌሳ፡ ልሙዳት ተጓዓዝቲ ጽዒና ዝነበረት ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሃርጌሳ ምዕላባ ኣብ ናይ ፈይቡክ ገጽ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ከም መግለጺ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ሶማል እታ ካብ ኣየር ምምላሳ እትግለጽ ዘላ ነፋሪት ግን ካልእ ምዃና’ዩ። እታ ናብ ሃርጌሳ ከይትዓለብ ዝተኸልከለት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሒዛቶም ዝነበረት ተሳፈርቲ ኣይተነጸረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG