ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሪምላይነር 787 ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዝተበገሰትሉ መዕርፎ ነፈርቲ ደብሊን /ኣየርላንድ / ተመሊሳ ክትዓልብ ተገዲዳ


ናብ ኣሜሪካ ትበርር ዝነበረት ናይ ኢትዮጵያ 787 ድሪምላይነር ነፋሪት ናብ ደብሊን ተመሊሳ ንምዕራፍ ከምዝተገደደት ተፈሊጡ።

እታ ነፋሪት ካብ መዕረፊ ነፈርቲ ደብሊን /ኣየርላንድ/ ተበጊሳ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ እናተጉዓዘት ከላ ኣብ ውቂያኖስ ኣትላንቲክ ምስ በጽሐት ኣብ ጸጋማይ ሞተራ ብዘጋጠማ ጸገም እቲ ሞተር ምስራሕ ደው ብምባሉ ናብ ደብሊን ተመሊሳ ብሰላም ምዕራፋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ጠንቂ እቲ ቴክኒካዊ ጸገም ንምፍላጥ ምርመራ እናተኻየደ ምዃኑ'ውን ይገልጽ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ።እታ ቦይንግ ኣውሮፕላን 300 ተሳፈርቲ ጽዒና ከምዝነበረት ኣይሪሽ ሚረር ገሊጹ’ሎ።

ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ንዘርኣይዉ ውሕሉል ኣተሓሕዛ ኣድናቖትና ንገልጽ ዝበለ ኣብ ፌስቡክ መንገዲ ኣየር ዝወጸ ሓበሬታ፣ተሳፈርቲ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ንምውሳድ ካልአይቲ ኣውሮፕላን ከምዝተልኣኸት ይሕብር።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 242 ክሳብ 335 ተሳተፍሪ ዘተኣናግዳ 13 ድሪምላየርን ነፈርቲ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG